Latest posts

All
news
poletics
social
economy
entertainment

Trending News

መበል 267 ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን 01
02
ገዛዉትኹም ሽላ ዝመስል ድዩ? እመኑኒ
03
መዘራረባይ ጉባኤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ
04
ዕማም ግዝያዊ ምምሕዳር ተመዛበልቲ ምምላስ እዩ ፕረዚደንት ታደሰ
05
ዶ/ር ቴዎድሮስ ኣድሓኖም ፅዕንቶ ፈጣሪ ዓለምና – Time መፅሄት
06
ደገፍ ትእምት

Popular

መበል 267 ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን
ገዛዉትኹም ሽላ ዝመስል ድዩ? እመኑኒ
መዘራረባይ ጉባኤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ
ዕማም ግዝያዊ ምምሕዳር ተመዛበልቲ ምምላስ እዩ ፕረዚደንት ታደሰ

Latest posts

ውላድ ነፍስሄር ኣትሌት ሙሩፅ ይፍጠር ዝኾነ ቢንያም ሙሩፅ ይፍጠር ልዑል ድምፂ ብምርካብ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮይኑ ተመሪፁ።

ቢንያም ሙሩፅ ይፍጠር ኣፍቲ ሎምዓንቲ ዝተሰላሰለ ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንፈፃሚ ስራሕ እቲ ፌደሬሽን ካብ ሞንጎ ዝተነሓንሑ ኣካላት እቲ ዝለዓለ ድምፂ ብምርካብ’ዩ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ኮይኑ ተሓርዩ። ንፕረዚዳንትነት እቲ ፌደሬሽን ዝተነሓነሐ ኣትሌት ገ/ሔር ገ/ማርያም ሑፁይ ኮይኑ ቀሪቡ’ኳ እንተነበረ ኣይቀንዖን። ኣትሌት ስለሺ ስሂን ፕረዚደንት ኮይኑ ተሓርዩ። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ኣብ ሃገረ ፓሪስ ኣብ ዝተሰላሰለ…

Read More

መበል 267 ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን

ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተሰይሞም ። ኣመሪካዊ ካርዲናል ሮበርት ፕሪቮስት ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለም ኮይኖም ተመሪፆም። ካብ ቤተ ፀሎት ሲስቲን ዝርከብ መውፅኢ ትኪ ፃዕዳ ትኪ ድሕሪ ምውፅኡ ዝተመረፁ ጳጳስ ዕላዊ ኮይኖም። ብመሰረት እዚ ኣብ መበል 88 ዓመቶም ዝዓረፉ ኣቡነ ፍራንሲስ ዝትክእ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ከምዝተመርፀ ንዓለም ተበሲሩ ኣሎ። እቶም ሓድሽ መራሒ እታ ቤተክርስትያን ‘ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ’ ዝብል…

Read More

ገዛዉትኹም ሽላ ዝመስል ድዩ? እመኑኒ

ኣስገደ ፅምብላ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣለኹ።ምስ ሓደ ተጋዳላይ ወላዲ ወግዒ ጀሚርና። ሓደ ታሪኽ ነገሩኒ። እቲ ታሪኽ ኣብ 1970 መወዳእታት – 1980 መፈለምታ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ሓደ ክፍሊ ህዝቢ ነበርቲ እንዳባጉና ኣኪቡ ዝተዛረቦ እዩ። “እንዳባጉና ንምንባርን ንስራሕን ትጥዕም ከምኡ እዉን ሰሓቢት ከተማ ክትኾን ነበርቲ መፋስስ ገዛዉትኹም ሽላ እንትነፍር ዝመስል ንየማንን ፀገምን መፋስስ ዘለዎ ብቆርቆሮ…

Read More

መዘራረባይ ጉባኤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ

መበል 12 ሓፈሻዊ ጉባኤ”ጉባኤ ሕውየትን ተስፋን” ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንቐፀልቲ 3 ዓመታት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ከብፅሑዋ ተባሂሎም ብኣባላት ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝተሓረዩ 13 ኣመራርሓ ቦርድን 5 ቁፅፅር ኮምሽንን ማልት ብምምራፅ ተዛዚሙ። ኣብቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሐ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማልት ሕሉፍ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ዓመት፣ ስትራቴጂክ ትልሚ 3 ዓመትን ፀብፃብ ቁፅፅር ኮሚሽንን ቀሪቦም ጉባኤተኛታት ዘትዮም ድሕሪ ምፅዳቖም…

Read More

ዕማም ግዝያዊ ምምሕዳር ተመዛበልቲ ምምላስ እዩ ፕረዚደንት ታደሰ

ቀንዲ ዕማም ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ከቢድ ናብራ ዝርከብ ተመዛበልቲ ወገናትና ምምላስ እዩ ክብሉ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ከምዝሓበሮ ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ሎሚ 16 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ላዕለዋይ ሓላፊ ኮሚቴ ምክትታል፣ ምርግጋፅን ምኽባርን ስምምዕ ፕሪቶርያ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኖም ንዝተመደቡ ሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣክሶዴ ኣብ ፅሕፈት ቤቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም ። ፕረዚደንት…

Read More

ዶ/ር ቴዎድሮስ ኣድሓኖም ፅዕንቶ ፈጣሪ ዓለምና – Time መፅሄት

Time መፅሄት ናይ ዓለምና ፍሉጣት 100 ፅዕንቶ ፈጠርቲ ስም ዝርዝር ኣውፂኡ እዩ። ኣብቲ እቲ መፅሄት ካብ ዝዘርዘሮም ፅዕንቶ ፈጠርቲ ዓለምና ሓደ ዶክተር ቴዎድሮስ ኣድሓኖም እዮም። ኣብቲ ስም ዶክተር ቴዎድሮስ እኒ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ኤለን መስክን ይርከብዎም እዮም። ካልእ ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴዎድሮስ ስም ኣብ ዝሰፈረሉ ናይዚ ዓመት 100 ብሉፃት ፅልዋ ፈጠርቲ ቀዳማይ…

Read More

ደገፍ ትእምት

ቤት ፅሕፈት ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ትእምት ልዕሊ 6.5 ሚልዮን ብር ደገፍ ገይሩ ። ቤት ፅሕፈት ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ንዝርከቡ ኣባላት ማሕበር ተጋደልትን ኣባላት ማሕበር ጉዱኣት ኲናትን ትግራይ ንመውዓሊ በዓል ትንሳኤ ዝኸውን ልዕሊ 6.5 ሚልዮን ብር ደገፍ ገይሩ። ካብዚ እቲ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ብር ንተመዛበልቲ ኣባላት ማሕበር ተጋደልቲ ዝተውሃበ እንትኾን እቲ ልዕሊ…

Read More

ኣብ ምትግባር ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘተሓሳስብ ስለዝኾነ ፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ቀልጢፉ ክዝቲ ኣቦወንበር ህወሓት ፀዊዑ

ኣቦወንበር ውብድ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ላዕለዋይ ሓላፊ ኮሚቴ ምክትታል፣ ምርግጋፅን ምኽባርን ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኖም ንዝተመደቡ ሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣላዴ ኣክሶዴ ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም፡: ሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣላዴ ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ኮሚቴ ንዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ስቴፈን ራዲና ተኪኦም ብሕብረት ኣፍሪካ ዝተመደቡ እዮም፡፡ ኣብቲ እዋን ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣላዴ ሰናይ እዋን ስራሕ ብምምናይ…

Read More

“ግምት ትካላዊ ነፃነቱ ሓልዩ ክሰርሕ እዩ” ህወሓት

” ግዝያዊ ምምሕዳር ትካላዊ ነፃነቱ ሓልዩ ተደጋጊፍና ግቡእና ብምፍፃም ናብቲ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ዝብህጎ ምኽባር ልኣላውነትና ቀልጢፍና ከምንኣቱ ይተኣማመን “ ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ነዚ ዝበሉ ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብ ህወሓት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኖም ስርሖም ንዝጀመሩ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዘዳለዎ ናይ ሰናይ ትምኒት መድረኽ እዩ ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተልእኾታቱ ንምፍፃም ኣብ…

Read More

ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ስሩዕ ስራሖም ጀሚሮም

ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ስሩዕ ስራሖም ጀሚሮም ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ሎሚ 2 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ስሩዕ ናይ ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣኼባ ዘሳለጡ እንትኾን፤ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ብዛዕባ ዝሰላሰሉ ዕማማት ኣንፈትን ናይ ስራሕ መምርሕን ሂቦም። ዝህሉ ግዘ ሓፂር ምዃኑ ዝሓበሩ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ፤ ሕድሕድ ኣብያተ ዕዮ ናይ ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ትልሚ ከሐድስን ኣብ ዝቕፅሉ 12 ኣዋርሕ…

Read More

ታደሰ ወረደ ፕረዝደንት ኮይኖም

ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኖም ። ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ምክትል ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓላፊ ካቢኔ ሰክሬተሪያት ሰላምን ፀጥታን ኮይኖም እናሰርሑ ዝፀንሑ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ካብ ሎሚ 30 መጋቢት 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኖም ተሸይሞም ኣለው።

Read More