ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ 132 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ወርቂ ከምዝዓደገ ባንኪ ንግዲ ጨንፈር ሽረ እንዳስላሰ ገሊፁ።
ኣካያዲ ስራሕ ንግዲ ባንኪ ጨንፈር ሽረ እንዳስላሰ ኣይተ ተኪኤ ግዳይ ንማዕከን ዜና VOA ከምዝገለፅዎ
ትግራይ ዓመታዊ በጀታ ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር እኳ እንተኾነ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ ግን 132 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ወርቂ ብመስርሕ እቲ ንሶም ዝመርሖዎ ባንኪ ከምዝዓደገ ኣፍሊጦም።
ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣይተ መንግስቱ ተኽላይ ብወገኖም ንቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከምዝገለፅዎ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሰፋሕቲ ዕደና ዝጥቀሙሉ ኬሚካላት ምንጪ ስክፍታታት ጥዕና ፀጥታን ዘይርጉዕ ህይወትን ይኸውን ከምዘሎ ሓቢሮም።
“ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብሕግን ስርዓትን ክምራሕ ኣለዎ። ነቶም ውሑዳት ውልቀሰባት ክጠቅም ብዝኽእል መንገዲ ኽቕፅል የብሉን።” ዝበሉ ፕረዚደንት ቤት ፍርዲ እቲ ዞባ ዝኾኑ ኣይተ መንግስቱ “እቶም ካብዚ ፀጋታት ተጠቀምቲ ዝኾኑ ውልቀሰባት ፤ ስክፍታታት ጠንቂ ድሕነት ፣ ስግኣታትን ጠንቒ ጥዕና ህዝቢ ምዃኖም እንዳረኣኻ ክፍቀደሎም የብሉን።” ክብሉ ገሊፆም።
ነበርቲ ህዝቢ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣፍታ ዞባ ብሰፊሑ ተጋፊሑ ዘሎ ዘይሕጋዊ ዕደናን ፋሉል ኣጠቓቕማ ሜርኩሪን ሳይናይድን ብኣግኡ ኽግታእ ብተደጋጋሚ ንዝምልከቶም እኳ እንተሓተቱ ዛጊድ ግን ሰማዒ ከምዘይተረኸበ እቲ ማዕከን ዜና ሐዚ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ኣፍሊጡ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ንሜርኩሪ ሓደ ካፍቶም ንጥዕና ህዝቢ ልዑል ስክፍታታት ዘስዕቡ 10 ኬሚካላት እቲ ሓደ ከሞዝኾነ ድማ ኣዘኻኺሩ።