ሓደጋ ሃለዋት ሰራዊት ትግራይ እንታይ እዩ? መፍትሒኡ ኸ?

[10:53 AM, 12/25/2024] Addisalem: ኣብ ከተማ መቐለ ጥቃ ሆቴል ፕላኔት ካብ ቤት ፅሕፈት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግሳይ (ደጀን) ከምኡ እውን ካብ ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝመፁ ክልተ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ኣጀብቲ ዶክተር ደብረፅዮንን ኣይተ ጌታቸውን ሃንደበት ተራኺቦም። ሰላም ተለዋዊጦም ብደዎም እናዋግዑ ረኣኹ።

ትሕዝቶ ወግዖም እንታይ ከምዝኾነ ኣይፈለጥኹን። ግን ስምዒቶም ይለዋወጥ ነበረ። ሓንሳብ ይሞቕ ሓንሳብ ድማ ይዝሕል። ጠጠው ኢሎም ናይ ክልተ ዓመት ኣፈፃፀማ ዘዋግዑ ዘለው ይመስሉ ። ነዊሕ ሰዓት ኣዋጊዖም ሰላምታ ተለዋዊጦም ተፈላለዩ። ቁሩብ ምስ ተጓዓዙ ድማ ክልቲኦም ንድሕሪት ግልፅ ኢሎም ተረኣኣዩ። ክምስ ኢሎምደጊሞም ድማ ተሰናበቱ። ብተግባሮም ፍሽኽ ኢሎም መንገዶም ቀፀሉ።

እቶም ተጋደልቲ መናእሰይ እንታይ የዋግዑ ከምዝኘበሩ ካብ ምግማት ንላዕሊ ብዘይካ ክልቲኦም ዝፈልጥ የለን። ወግዖም ንገምት እንተኢልና ሓደ ብዛዕባ ግዚያዊ ምምሕዳርን ህወሓትን ዘሎ ፖለቲካ ኣፋላላይ ፤ ካልኣይ ክልቲኦም ምስ ብፆቶም ኣብ እዋን መኸተ ዝነበሮም ብፃይነትን ካልእን ክኾን ይኽእል እዩ። ሳልሳይ ድማ ብዛዕባ ddr ክኾን ይኽእል። ካብዚ ሓሊፉ ካልእ ውልቀ ዛዕባ ክኸውን እውን ይኽእል።

ወግዒ ክልቲኦም መናእሰይ ተጋደልቲ ዘዋግዕዎ ዝኾነ ይኹን ኢልና ንሕለፎ። እቶም ሓለፍቶም መራሕቲ ትግራይ ግና ካብ ቤት ፅሕፈቶም በቢእዋኑ ዘውፅእዎ መግለፂ ግና የተሓሳስበና እዩ። ብቀሊሉ መሰሎም እዩ ኢልና እውን ንሓልፎ ኣይኮነን።

ትማልን ሎምን ካብ ቤት ፅሕፈት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ (ደጀን) ከምኡ እውን ካብ ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ድሕሪ
ምስ መንግስቲ ፌደራል ምምይያጦም ነኒባዕሎም ይካሰሱ ኣለው።

ብኣቦመንበር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ.ር) ዝምራሕ ህወሓት “ብሄራዊ ክሕደት እናፈፀመ እዩ” ኢሉ ዝፀወዖ ሓይሊ ዝሓዞ መንገዲ ጥፍኣት ኣብ ሓፂር ግዜ መልክዕ ንምትሓዝ ናብ ቃልሲ ኣትየ ኣለኹ” ኢሉ ኣሎⵆ

ብፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ድማ እቲ “ዓመፀኛ ጉጅለ” ኢሉ ዝፀወዖ ኣካል ህዝቢ ትግራይ መንግስቲ ናብ ምትፍናን ንምእታው ክተት ብምባል ሓደገኛ መንገዲ ይኽተል ኣሎ ክብል ይኸስስⵆ

ክልቲኦም ማለት እውን ውድባውን መንግስታውን መራሕቲ ምስ መንግስቲ ፌደራል ድሕሪ ምምይያጦም ነኒባዕሎም ይካሰሱ ኣለው።

ብኣቦመንበር ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት ትማሊ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ “ህወሓት ዘውረዶ” ዝበሎ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳይ ብኻልእ ተወካሊ ንምትካእ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 10 ሕዳር 2017 ዓ.ም ዝርርብ ኣካይዱ ምንባሩ ብምግላፅ እቲ ዛዕባ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ንምቕፃል ኣብ ምርድዳእ ምብፅሑ ኣመላኺቱ እዩⵆ

ብኻሊእ ገፅ ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጉጅለ ዘውፀኦ መግለፂ ፤ ኣብቲ ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝተኻየደ ገምጋም፤ ”ስራሕቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ተገምጊሙ ከምዝወደቐ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኩሉ ከኣ አእጃሙ ኣልዒሉ እዩ“ ኢሉ ።

ብፍላይ እቲ “ዓመፀኛ ጉጅለ” ኢሉ ዝፀወዖ ኣካል “ኮነ ኢሉ ጊዚያዊ ምምሕዳር ከይሰርሕን ህዝባዊን ፖለቲካዊን ድጋፍ ከይረክብን ሰሪሕካ ኢኻ” ብዝብል ከምዝተገምገመን “እዚ ከዓ ብውድቀት ጊዚያዊ ምምሕዳር ኣሳቢብካ ናብ ስልጣን ንምምፃእ ዝዓለመን እዩ“ ከምዝተበሃለን ኣቐሚጡⵆ

ብዶር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት ኣብ መግለፂኡ “እቲ ካብ ህወሓት ዝተጎለለ ብሄራዊ ክሕደት ዝፍፅም ዘሎ ጉጅለን ውሑዳት ኣብ ተመሳሳሊ ኣጀንዳ ዘለዉ ውልቀሰባትን“ ኢሉ ዝፀወዖም ኣካላት ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ብምህጋር ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ዘእትዉ ሕቶ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘቐረበ ይገልፅⵆ

“እቲ ካብ ህወሓት ዝተጎለለ” ኢሉ ዝፀወዖ ጉጅለ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘይተረጋገፀሉ ኩነታት ሰራዊት ትግራይ ብሽም ዲዲኣር ብቕልጡፍ ዕጥቁ ክፈትሕን ክብተንን ዝገብር ሓሳብ ኣቐሪቡ እዩ ኢሉⵆ

ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጉጅለ ድማ “ብኣፍ ህወሓት እየ እናበለ ህወሓትነት ዝራሕረሐ ፋሉል ጉጅለ” ብምባል ዝገለፆ ሓይሊ “ንስምምዕ ፕሪቶርያ እናቋናፀየን እናዕንቀፈን ከምዝመፀ ምሽጥር ኣደባባይ እዩ” ኢሉ ።እቲ ሓይሊ “ንስልጣኑ ክብል ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ከይምለሱ ይኽልክልን የዕንቅፍን ከምዝነበረን ዘሎን ኣብ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝተነፀረ መስርሕ DDR ከይትግበር ተንኮል ይፍሕስን ወዘተ ብዝብል ካብ ዝተፈላለየ ኣካላት ንዝቐረበሉ ገምጋም ብብቕዓት ክምክት ኣይካኣለን” ክብል ኣመላኺቱ።

ብዶር ደብረፅዮን ዝምራሕ ህወሓት ነቲ “ብሄራዊ ክሕደት ይፍፅም ኣሎ” ዝበሎ ሓይሊ “ህወሓት ከም ኢህወዴግ ካብ ውሽጥን ደገን ንምፍራስ እናሰርሐ ንፅረትን ተስፋን ስኢኑ ንኽብተን ብዙሕ ሰሪሑ፣ ብሽም ለውጢ ፖለቲካዊ ሕፅቦ ንምክያድ ከምኡ ‘ውን ሕገ መንግስቲ ትግራይ ኣፍሪሱ ኣብያተ ምኽሪ ንምብታን ሰሪሑን ይስርሕን ኣሎ” ክብል ይኸስስⵆ

እቲ ብኣይተ ጌታቸው ዝምራሕ ድማ ብኣንፃሩ እቲ “ከዳዕ ኢሉ ዝፀወዖ ጉጅለ” ምስ ፌዴራል መንግስቲ ካሊእ ይዘራረብን ይስማዕማዕን ንህዝቢ ትግራይ ዝብሎ ድማ ካሊእ እዩ ብምባል “እዚ ጉጅለ ንህወሓት ወኪሉ “ሕገመንግስቲ ብዓመፅ ንምፍራስ ተንቀሳቒሰ እየ” ኢሉ ተቐቢሉ ብምፍራም ንመኸተና ዘህገረን ንህወሓት ነሓሰ 3/2016 ዓ/ም ዝተፈጠረ ውድብ ጌሩ ዘመዝገበን እናሃለወ ናብ ትግራይ ምስተመለሰ ከዓ ዘይንሱ ካሊእ ተቓላሳይ ከምዘየለ ኮይኑ ቀሪቡ እዩ” ክብል ኣመላኺቱ። “ህዝባዊ ኣሰር ህወሓት ሓሊና ህወሓት ብቀፃሊ ቃልሲን ፀገም ህዝቢ ምፍታሕን ፈተናታት ምብዳህን ንመድረኽ እናበቕዐን እናተለወጠን ዝምርሽ ውድብ ክከውን ንቃለስ ኢና“ ብምባል ሓቢሩⵆ

እኒ ዶር ደብረፅዮን ኣብ ልዕሊ እቲ “ካብ ህወሓት ዝተጎለለ ሓይሊ”ኢሉ ዝፀወዖ ኣካል ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ንኽኣቱ ደጋጊሙ መፀዋዕታ ኣቕሪቡ” ዝብል ክሲ ኣቐሪቡ እዩⵆ “ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብወገን ትግራይ ተወካሊ ክስእን ዓሊሙ ክሰርሖ ዝፀንሐ ውዲት ንምዝዛም ብዓል ዋና ስምምዕ ፕሪቶሪያ መን ምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክውስን ሕቶ ኣቕሪቡ” ብምባል “ካብ ህወሓት ዝተጎለለ ጉጅለ” ኢሉ ዝፀወዖ ሓይሊ “ዝሓዞ መንገዲ ጥፍኣት ኣብ ሓፂር ግዜ መልክዕ ንምትሓዝ ዘኽእል መደብ ሓንፂፁን ወሲኑን ናብ ቃልሲ ኣትየ ኣለኹ” ኢሉⵆ

እኒ ኣይተ ጌታቸው ድማ “ንህዝቢ ትግራይ ምስ ፌዴራል መንግስቲ ናብ ምትፍናን ምእታውን ፀገም ህዝቢ ከይፍታሕ ምግባርን ምብእኣስን ናብ ኮረቻ ስልጣን ንምምፃእ “ዓመፀኛ ጉጅለ”ኢሉ ናይ ዝፀወዖ ኣካል “ቀንዲ ዝኽተለን ዘሎ ስልትታት እየን” ብምባል “ህዝቢ ትግራይ ምስ ፌዴራል መንግስቲ ኣብ ቀፃላይ ምትፍናን ከእትዎ ኣለኒ ኢሉ ሓደገኛ መንገዲ ሒዙ ኣሎ” ክብል ኣመላኺቱ። “ኣብ ትግራይ ዘላቒ ለውጢ ንምምፃእን ጊዚያዊ ምምሕዳርና ፖለቲካዊን ህዝባዊን ድጋፍ ረኺቡ ተልእኹኡ ቀልጢፉ ወዲኡ ናብ ዝተመረፀ ህዝባዊ መንግስቲ ከስጋግረና እዩ ድሌትና” ክብል ገሊፁ።

ኣብ መንጎ መሪሕነት ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ንዝተኻየደ ዘተ ስዒቡ ብወገን መንግስቲ ፌደራል 27 ሕዳር 2017 ዓ.ም ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፤ ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ፣ተሰናበቲ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ድማ ናብ ንቡር ህይወቶም ንክምለሱ ክስራሕ ከምዘለዎ ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ተበፂሑ እዩ ምባሉ ይዘከር።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክልላዊ መረፃ ክሳብ ዝካየድ ዝተውሃቦ ሓላፍነት ንክፍፅም ዘኽእሎ ኣንፈት ብምቕማጥ እቲ ሓበራዊ ዘተ ከምዝተዛዘመ ምግላፁ ይፍለጥ።

እዚ ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ዘሎ ፖለቲካ ኣፈላላይ ካብ እዋን ናብ እዋን እናሰፍሐን እናገፈሐን እዩ። ብኡ ልክዕ ድማ ስግኣት እናኾነ እዩ። ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ዝተመዛበለን ዝተፈናቀለ ወገን ናብ መረበቱ ኣይተመለሰን። ኣብ ኢድ ፀላእቲ ዝርከቡ ወገን ሓራ ኣይወፁኖ። ፀላእቲ ሐዚ እውን ኣብ መሬት ትግራይ ይዕንድሩ ኣለው። ሰፊሕ ግዝኣታዊ መሬት ትግራይ ካብ ቁፅፅር ህዝብን መኔግስትን ትግራይ ወፃእ እዩ ዘሎ። ኣብ ትግራይ ስሩዕ መንግስቲ የለን። ውዕሊ ፕሪቶሪያ ልዕሊ ክልተ ዓመት ኣቁፂሩ ኣሎ። ስለዚ እዚን ካልኦትን ፀገማት ክፍታሕ ኣለዎ። ነዚ ድማ ፈለማ ክኾን ዝግብኦ ውሽጣዊ ፀገም ምፍታሕ ይግባእ።

ክሳብ ሐዚ ኣብ መትከሉ ዘሎ ግን ድማ ኣብ ሓደጋ ዘሎ ሰራዊት ትግራይ እዩ። ሰራዊት ትግራይ። እዚ ሰራዊት ንመኸተ ዝተጣየሸ ፆታ፣ ፖለቲካ፣ ሃይማኖት፣ ዕድመ ወዘተ ዘይፈልዮ ካብ ህዝቢ ዝተውፃፅአ ንመንነቱ ኢሉ ዝተጋደለ መስዋእቲ ዝኸፈለ ኣካሉ ዝጎደለ ሓይልታት ፅንተት ዝመከተ መኸታ ህዝቢ ትግራይ እዩ።

ብሰንኪ እቲ ኣፈላላይ ፖለቲካ ትግራን ኣብ ሓደጋ ዝወደቀ ኣብ መራሕቱን ትካሉን መፀለምታ ፣ ብሽሙ ዝግበር ሸቀጥን ካልኦትን ንሃለዋቱ ሓደጋ ኮይኑ እዩ።

ይኹን እምበር ካብቶም ኣብ ትግራይ ዘለው ትካላት እቲ ኣብ መትከሉ ዘሎ ህዝባዊ ትካል ሓደ ንሱ እዩ። ሰራዊት ትግራይ እዩ።

እዚ ትካል በቢእዋኑ ውግንንኡ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ኣጀንዳ እናኾነ ፀኒሑ እዩ። ብኣጀንዳነቱ ከምኡ ሕቶታት ምልዓሉ ፀገም ከይልልዎ ይኽእል እዩ። ኮይኑ ግና እቲ ሕቶ ሰራዊት ንምምቅቃልን ንምብትታን ሽርሒ እንተደኣ ሃሊይዎ ሓደጋ እዩ።

ስለዚ እዚ ሕቶ ብትኹረት ክረአ ኣለዎ። ኣነ ክሳብ ሐዚ ዘለኒ ኣፍልጦ። ሰራዊት ትግራይ ንመኸተ ዝተወደበ ሓይሊ ከምዝኾነ። ኣብ መኸተ ብዘርአዮ ፅንዓትን ጅግንነትን ዓለም ዘገረመን ዘመስከረን ምዃኑ እዩ። ሐዚ ብስም ፖለቲካ እዚ ብኣዕፅምትን ደምን ዝተሃነፀ ትካል ብቀሊሉ ፈሪሱ ህዝቢ ትግራን ኣደዳ ፀላእቲ ከይኾን ብጥንቃቐ ክረአ ኣለዎ። ክሕሰበሉ ይግባእ።

ትግራይ ከም ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን እውን ብውሽጥን ደገን ዝተፈላለዩ ፀገማት እዮም ዘለውዋ። ብቀፃሊ ጂኦ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪካ ኮነ ዓለም ብምትንታን ሓደጋ ምቕናስን ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅን ይግባእ ንብል።

ብኣዲስኣለም ሓጎስ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *