ኣብ ትግራይ ንዘሎ ጠለብ ነዳዲ ዝምጥን ቀረብ ክኣቱ ዘይምኽኣሉ ስዒቡ ፡ ሕፅረት ነዳዲ ከምዘጋጠመ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ ኣፍሊጡ ።
ናይ ኢንዳስትሪ፣ መሰረተ ልምዓት፣ ዝመሳሰሉ ዝውሃብ ዝነበረ ኣገልግሎት ነዳዲ ደው ከምዝበለ እውን ተገሊፁ።
ሓላፊ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ ኣይተ ገብረመሰቀል ታረቀ ሕፅረት ነዳዲን ፅዕንቶ ምሕደርኡን ዝምልከት ንመራኸብቲ ሓፋሽ መብርሂ ሂቦም ኣለዉ ።
ኣብ 2012 ዓ/ም ዝነበረ ጠለብ መሰረት ብምግባር 13 ሚልየን ሊትር ናፍጣ፥ 2 ነጥቢ 5 ሚልየን ሊትሮ ድማ ቤንዚን ትግራይ ከምዝትጠልብ ገሊፆም።
ኣብ ማሕበራዊ፥ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓሳት፣ ናይ መንግስቲ ስራሕቲ፥ ካብናንን ዝግበር ምንቅስቓሳት ፣ ነዳዲ ዝጠልብ እዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ምስ ትካላት ፌደራል ብምዝርራብ ኣብ ትግራይ ካብ 93 መዕድሊ ነዳዲ እተን 66 ክሰርሓ ከምዝኽእላ ተኣሚኑ እዩ ግዝያዊ መምርሒ ብምውፃእ ናብ ስራሕ ብምእታው ተጀሚሩ ክብሉ ተዛሪቦም።
ቀረብ ነዳዲ በቲ ናይ ትግራይ ትልሚን ጠለብን መፂኡ ኣይፍልጥን ዝበሉ ኣይተ ገበረ መስቀል ታረቀ እቲ ዝሐሸ ዝመፅኣ ዝብሃል ድማ 11 ሚልየን ሊትር ናፍጣ እንትኸውን እቲ ዝለዓለ መጠን ቤንዚን ድማ 1 ነጥቢ 5 ሚልየን ዝመፅ ኣሉ ግዘ ኣሎ እዩ ነቲ ጠለብ ዘማልእ መፂኡ ኣይፈልጥን ድማ ኢሎም ።
ሕዚ ሕፅረት ነዳዲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙና ኣሎ እዙይ ድማ ሓደ ወርሒ ከምዝገበረ ኣይተ ገብረ መስቀል ታረቀ ገሊፆም ።
እቲ ሕፅረት ዘጋጠመ ድማ ናብ ትግራይ ክኣትው ዝግበኦ ነዳዲ ብዘይምእታው እንትኾን እዙይ ድማ ምስ ፌድራል መንግስቲ ብምዝርራብ ሕዚ ክኣትው ጀሚሩ ኣሎ ኢሎም ።
ነዳዲ ብዘይምእታው ኣብ ዝግበር ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ፅዕንቶ ዘሕድርን ኩሉ ምንቅስቓስና ምስ ነዳዲ ዝተትሓሓዘ ኮይኑ ልምዲ ቆጢብካ ምጥቃም ክቕፅል እዩ ብምባል ናብ ንብር ክሳብ ዝበፅሕ ንዝተወስነ ግዜ ክቕንይ እዩ ድማ ኢሎም ።
ናይ ኢንዳስትሪ፣ መሰረተ ልምዓት፣ ዝመሳሰሉ ዝውሃብ ዝነበረ ኣገልግሎት ነዳዲ ድማ ደው ከምዝበለ እቶም ሓላፊ ገሊፆም።
ኣይተ ገበረ መሰቀል ታረቀ ምስ መንግስቲ ፌደራል ብዝተገበረ ምርድዳእ ኣቕርቦት ክነቐፅሎ ኢና ኢሎምና ክብሉ ገሊፆም ።
ኣጠቕቕማ ብዝምልከት ንህፁፅ ሓገዝን መንግስታዊ ግልጋሎት ቅድሚያ ከምዝውሃብ ድማ ተገሊፁ።
ኣቕርቦት ነዳዲ ንማሕበረስብ ምንቅስቓስ ቅድሚያ ተዋሂብዎ እናተሰርሐ ከምዝፀንሐ ድማ ሓቢሮም ።