ፈለማ ንመላእ ኣብ ውሸጥን ኣብ ደገን ትርከብ ተኸታላይ እምነት ክርስትና ዝኾንካ ህዝብና እንኳዕ ንበዓል ልደት እየሱስ ክርስቶስ ኣብፅሓካ ኣብፅሓና ክብል ይፈቱ።
እዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘንፀላለወ ኩለመዳያዊ ቅልውላው ብመሰረቱ ንምፍታሕ ሓያል ርብርብ እንገብረሉ መድረኽ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምስ መሓውር ዞባን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ኣብ ዝነበረ ናይ ሓባር መድረኽ ዝተበፅሐ ሓበራዊ ምርድዳእ እውን ትግራይ ካብ ዘላቶ ዝተሓላለኸ ኩነታት ንምውፃእ ዓሊሙ ዝተገብረ እዩ።
ከም ህዝቢ ካብቲ ኣቲናዮ ዘለና ከቢድን ዝተሓላለኸን ፀገም ንውፃእ ቅድም ቀዳድም መንግስቲ ክህልወናን መንግስትና ድማ ኣብ መሰረታዊ ረብሓታት ህዝብና ማእኸል ገይሩን ንኩሎም ዓቕምታትና ወዲቡን ናብ ጭቡጥ ምንቅስቓስ ክኣቱ ግድን ኮይኑ ኣሎ። እዚ ንምግባር ዘኽሎ ናይ ኣወዳድባ ምትዕርራይ ገይሩ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብዝሓሸ መንገዲ እናተናበበ ክሰርሕ ክግበር እዩ።
ኣብ ትግራይ በብእዋኑ ዝርአ ናይ ፀጥታ ፀገም ንምፍታሕ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ኣብ ተልእኾኦም ጥራሕ መሰረት ገይሮም ንክሰርሑ ተወሲኑ እዩ። በዚ መሰረት ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ዝህቦም መንግስታዊ ተልእኾ ወፃኢ ከም ኣካል ኣብ ዝኸነ ናይ ፓርቲ ፖለቲካ ከይኣትዉ፤ ውድባት ፖለቲካ እውን ከም ኣካል ናብ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ከይኣትዉ ግልፂ ኣንፈት ተቐሚጡ ኣሎ።
ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ብየማነ ፀጋም ዝላግዑን ንሓድነቱ ዝፈታተኑን ምውንጫፋት ብጥንቃቐ ክርእዮም ተረጋጊዑ ክምርምሮምን ይግባእ። ከም ህዝቢ ካብቲ ኣትናዮ ዘለና ፀበባ ንምውፃእ እቲ ዝዓበየ ሓይልናን ዓቕምናን ሓድነትና ምዃኑ ግልፂ እዩ። ካብዚ ብምበጋስ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ብምዝራግ ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ ዓሊሞም ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ብትሪ ክእርሞም፤ ብእርማት ዘይምለሱ እንተኾይኖም ድማ ስርዓት ብዘለዎ መንገዲ መልክዕ ከትሕዞም ይግባእ።
መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ማለት እውን ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኮይኑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ሓራ ዘይወፅኣሉ፣ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ዘይተመለስሉ፣ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ክሳዕ ሕዚ ዘይተረጋገፀሉ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነት ትግራይ ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ምዃኑ ግልፂ ክኾን ኣለዎ። እዚ ኣፈላላይ ኣብቲ መሪሕነት ካብ ዝተፈጥረ ወጥሪ ብተውሳኺ ናይ ምድርዳር ዓቕምና እውን ኣመና ክዳኸምን ክማስንን ገይሩና እዩ። ኣብ ክንዲ ኣብ መሰረታዊ ሕቶታት ህዝብና ብሓባር ንረባረብ ኣብ ዘየድሊ ናይ ስልጣን ምምንጣል ተፀሚድና ፀገም ህዝቢ እናተጋደደ ክቕፅል ገይርና ኢና።
ድሕሪ ሕዚ ግን እዚ ኩነታት በቲ ዝነበሮ ከይቕፅል ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወሲኑ እዩ። መላእ ህዝብና እውን ግዝያዊ ምምሕዳር ዘሳልጦም መደባትን ናይ ለውጢ ምንቅስቓሳትን ንምዕዋት ካብኡ ዘድሊ ኩሉ ዓይነት ኣስተዋፅኦ ከምዝገብር እምነተይ ልዑል እዩ። ሕዚ እውን ኩሎም ዓቕምታትና ወዲብና ንመሰረታዊ ረብሓና ብሓባር ክንረባረብ ፃውዕተይ የቕርብ።
ሓድነት ህዝብና ዝያዳ ንምጥንኻር፣ ኩሎም ዓቕምታት ትግራይ ትርጉም ብዘለዎ መንገዲ ንምስታፍን ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሓሳባት ግቡእ ዕድል ንክረኽቡ ንምግባርን እቲ ቅድሚ ሕዚ ናብ ስራሕ ክኣቱ ተወሲኑ ግን ድማ ክሳብ ሕዚ ናብ ተግባር ዘይኣተወ ኣማኻሪ ካውንስል ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ንክኣቱ ከምዝተወሰነን ከከም ኣድላይነቱ ምትዕርራይ ተገይርሉ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ስርሑ ብዕሊ ከምዝጅምርን በዚ ኣጋጣሚ ከበስር ይፈቱ።
ደጊመ ርሑስ በዓል ልደት ክብል ይፈቱ።
ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ
ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
28 ታሕሳስ 2017ዓ.ም
መቐለ