መዘራረባይ ጉባኤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ

መበል 12 ሓፈሻዊ ጉባኤ”ጉባኤ ሕውየትን ተስፋን” ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንቐፀልቲ 3 ዓመታት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ከብፅሑዋ ተባሂሎም ብኣባላት ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝተሓረዩ 13 ኣመራርሓ ቦርድን 5 ቁፅፅር ኮምሽንን ማልት ብምምራፅ ተዛዚሙ።

ኣብቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሐ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማልት ሕሉፍ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ዓመት፣ ስትራቴጂክ ትልሚ 3 ዓመትን ፀብፃብ ቁፅፅር ኮሚሽንን ቀሪቦም ጉባኤተኛታት ዘትዮም ድሕሪ ምፅዳቖም ኣብ ከይዲ መረፃ ዝነበረ ዘይምስምዕማዕ ዝተዓዘቡ ተወከልቲ በዓል መዚ ትካላት ሲቪክ ማሕበራት ፌደራል እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንኽናዋሕ ናይ ውሳነ ሓሳብ ኣቕሪቦም ዝነበሩ እንትኾን፤ ብኣብዝሓ ድምፂ ጉባኤተኛታት እቲ ከይዲ መረፃ ክቕፅል ብምግባር መማረፅትን ቆፀርቲ ድምፅን ብምስያም ኣመራርሓ ቦርድን ኮሚሽን ቁፅፅርን ማልት ክምረፁ ተገይሩ እዩ።

ኣብቲ መበል 12 ሓፈሻዊ ጉባኤ ማልት ካብ ዝተዓደሙ 515 ጉባኤተኛታት እቶም 296 ድምፂ ዝሃቡ እንትኾኑ፤ብ288 ዝተቖፀረን 8 ዘይተማልአ/discarded ድምፅን

  1. ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ 267
  2. ደ/ር ኣልጋነሽ ተሰማ ፤263
  3. ዶ/ር ሓየሎም ገ/እዝግኣብሄር/ካሕሳይ፤ 257
  4. ዶ/ር ፀጋይ በሪሁ ፤255
  5. ዶ/ር ምሕረት በየነ፤ 249
  6. ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ ፤248
  7. ፕ/ር መረሳ ፀሃየ ፤244
    8.ዶ/ር ሰሎሞን ኪዳነ ፤217
  8. ኣይተ ግደይ ኣዘነው፤ 216
  9. ኣይተ ዮሃንስ ኪዳነማርያም ፤200
  10. ፕ/ር ኣፍወርቂ ሙሉጌታ ፤199
  11. ኣይተ ተስፋይ ታደሰ ፤190
  12. ዶ/ር ለኣከ ዕንቛይ፤ 182
    ንቐፀልቲ 3 ዓመታት ኣመራርሓ ቦርድ ማልት ኮይኖም ከገልግሉ ተሓርዮም ኣለዉ ።

ኣባላት ቁፅፅር ኮሚሽን ማልት ኾይኖም ዝተሓረዩ ድማ፤

  1. ኣይተ ኣለምሰገድ ከበደ 262
  2. ዶ/ር የማነ ገ/ሚካኤል 227
  3. ኣይተ ናሱር መምሑር 222
  4. ኣይተ መሓሪ ገ/ኣነንያ 189
  5. ኣይተ መኮነን ወ/ማርያም 182 እዮም።

ምስ ሓደሽቲ ተመረፅቲ ኣመራርሓ ቦርድ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ውሽጢ 1 ወርሒ ስነ ስርዓት ርኽክብ ስራሕ ከም ዝሳለጥን ማልት ኣርማ ሓድነት ኾይና ክትቕፅል ዘኽእሉ ስራሕቲ ክሰርሑ ትፅቢት ከም ዝግበረሎምን ተሓቢሩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *