መግለፂ ሰራዊት ትግራይ

ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ሂቦም

ኣብ መሪሕነት ህወሓት ዘጋጠመ ፍልልያት ብምግልላፍ ዘይኮነስ ብምቅርራብ ንኽፍታሕ ዝግበር ዝነበረ ዝተፈላለዩ ፃዕርታት ዘይምስማሩ ስዒቡ እቲ ፍልልያት ናብ ህዝብን ካልኦትን ክዘልቕ ምግባሩ ንዘለው ፀገማት የጋድዱ ከምዘለው ምክትል ፕረዚደንት ጊ/ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ሓቢሮም።

ኢብዚ ሐዚ እዋን እቲ ሓደ ንቲ ሓደ ብምግልላፍን ብምፅራግን ንዘለው ፀገማት ክትፈትሖ ምፍታን ንቲ ዝነበረ ፍልልያት ኸግፈሖን ከጋድዶን ክኢሉ’ዩ ዝበሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ፖለቲካዊ ውድብ ንዝተፈጠረ ፀገም ብኣግኡ ክፍታሕ ዘይምኽኣሉን ናብ ታሕቲ ንኽወርድ ምግባሩን ፖለቲካዊ ኩነታት ክተሓላለኽ ከምዝገበሮ ሓቢሮም።

ንሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ናብ ናይ ባዕልኻ ረብሓ ንምጥቃም ዝተገበረ ምንቅስቓስ ንሓይልታት ፀጥታ ትግራይ’ውን ናብ ዘየድሊ ውጥረት ንምእታው ዝተገበረ ፈተነ ቀሊል ከምዘይነበረ ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ሓይልታት ፀጥታ ንገለ ዝተርኣዩ ፀገማት ሓዲግካ እቲ ኣብዝሓ ኣብ ደው ዝበለሉ መትከሉ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ፖለቲካዊ’ዩ። መፍትሕኡ’ውን ብሓይለ መልጢ ዘይኮነስ ብፖለቲካዊ’ዩ ክፍታሕ ዝግባእ ድሕሪ ምባል ቀንዲ ፀገም ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዝተፈጠረ ፀገም ደገፍትኻ ከተሰስን ንምግባር ብዝዓለመ ኣካይዳ ዘይኮነስ ሐዚ’ውን ብፖለቲካዊ ልዝብን ርድኢትን ክፍታሕ ከምዝግባእ ኣብሪሆም።

ሓይልታተ ፀጥታ ንቲ ሓደ ብምድጋፍ ንቲ ሓደ ብምጉናይ ዝጋደድ’ምበር ዝፍታሕ ፖለቲካ ትግራይ ከምዘየለ ዝሓበሩ ጀነራል ታደሰ ወረደ ንሓይልታት ሰራዊት ትግራይ ናይቲ ሓደ ደጋፊ ናይቲ ሓደ ነቓፊ ገይርካ ዝውሰድ ዘሎ ሓሳባት ጌጋ’ዮም ኢሎም።

ብርግፅ ኣብ ክሊ’ዚ ዝተርኣዩ ፀገማት የለውን ማለት ኣይኮነን። ንኣብዝሓ ሓይልታት ትግራይ ግን ዝውክል ዘይምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ ድማ ኢልም።

ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ዘሎ ውጥጥ ብፖለቲካ ክፍታሕ ከምዘለዎ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣተሓሳሲቦም።

ጉዳይ ምጥንኻር ግዝያዊ ምምሕዳር እውን ኣብ ድርድር ዝኣቱ ኣይኮነን ኢሎም።

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ኣመራርሓ ክልል፣ ዞባን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ብዕምቖት ኣብ ዝተዘራረበሎም ጉዳያት መብሪሂ ዝሃቡ ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣድኪምካ ትግራይ መንግስቲ ኣልቦ ምግባር ጥፍኣት ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ስለዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ምጥንኻር ኣብ ድርድር ዝኣቱ ጉዳይ ኣይኮነን ኢሎም።

ህወሓት እውን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝፈረመን 50 ዓመት ዝገበረ ውድብ ብምዃኑ ቀፃልነት ክህልዎን ክጠናኸርን ምግባር እውን ኣድላይ ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ እንኮ መፍትሒ እቲ ውጥጥ ደው ክብልን ብፖለቲካዊ መንገዲ ፍታሕ ክረክብ ምግባርን እዩ ኢሎም።

ደው ክብል እንተኾይኑ ግን ኩሉ ሕብረተሰብ እውን ፅዕንቶ ክፈጥር ኣለዎ ኢሎም።

ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ናይ ቀረባ ጊዜ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዙሕ ዓመታት እንዳተኣከቡ ዝፀንሑ ፀገማት እዮም ኢሎም።

ኣብቲ ውድብ ዝፍጠሩ ሽግራት ብእዋኑ እንዳተፈትሑ ብዘይ ምምፀኦም እዮም ክብሉ ገሊፆም።

ምስ ዝተፈላላዩ ኣካላት ምዝርራብ እንዳተገበረ ፀኒሑ እዩ ብዋናነት ድማ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፀጥታ ትግራይ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ፃዕሪ ተገይሩ እዩ።

ዝተፈጠረ ሽግር ኣብ መንጎ ተጋሩ እዩ ስለዝኾነ ብተጋሩ እዩ ክፍታሕ ዘለዎ ዝብል መርገፂ እዩ ተታሒዙ።

ብምንም መንገዲ ትግራዋይ ኣፈላላይ ክፈጥረሎም ዘይግባእ ብሄራዊ ረብሓታት ብምቕማጥ ፃዕሪ ክግበር ፀኒሑ እዩ ኢሎም።

ይኹን እምበር እቲ ዝተገበረ ፃዕሪ ድማ ዛጊድ ክሰምር ከምዘይከኣለ ኣፍሊጦም።

እቲ ፃዕሪ ዘይሰመረሉ ምኽንያት ድማ እቲ ኣፈላላይ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክረክብ ኣብ ክንዲ ምፅዓር እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ፀሪጉ ብምጥፋእ እዩ ፍታሕ ዝመፅእ ዝብል ኣተሓሳስባ ብምህላዉ እዩ ኢሎም።

ምስ ሓይልታት ፀጥታ ብዕምቖተ ዘተ ተገይርሉ እዩ፤ ስለዝኾነ እቲ ሽግር ፖለቲካዊ እዩ መፍትሒኡ እውን ፖለቲካዊ እዩ፤ ናይ ሓይሊ መፍትሒ ኣይፈትሖን ኢሎም።

ዋና መንቀሊ እቲ ኣፈላላይ ኣብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኣብ ዘሎ እዩ ስለዝኾነ ክፍታሕ ዘለዎ እውን ኣብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ፀገማት ብሓይሊ ንምፍታሕ ዝግበር ፃዕሪ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ኣረዲኦም።

“ሕዚ እውን ብተደጋጋሚ ነተሓሳስቦ ዘሎ ኣፈላላይ ሓይሊ መሰረት ዝገበረ ከይኾውን ምግባር እዩ”

ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ንመኸተ ዝከፈልናዮ መስዋእቲ ኣብ ግምት ብምእታው ብሄራዊ ረብሓ ትግራይን ሓድነትን ማእኸል ገይሩ ንክሰርሕ እዩ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኢሎም።

ትማሊ ሸውዓተ ማሕበራት ስቪልን ካልኦት ትካላትን ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ሸውዓተ ነጥብታት ነይሮም። ካብቶም ሸውዓተ ነጥብታት መበል ሓምሻይ ጉዳይ ፀጥታ እያ ነይራ። እታ መግለፂ ሓይሊ ፀጥታን ሰላምን ትግራይ ማእኸሉ መንግስታዊ ልኡኹን ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ገይሩ፣ ንዝተፈጠረሉ መትከላትን ልኡኹን ብዝምጥን መልክዑ ምዕሩይ ምሕደራ ክህሉ፣ ፖለቲካዊ ፀገም ትግራይ ብምርድዳእ፣ ድርድርን ሰላማዊ ቃልስን ጥራሕ ንክመዓራረ ግቡኡ ክዋፃእ።

ከምኡ እውን ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብዚ ሰሙን ውሽጢ ዘውፅኦ መግለፂ እውን እንተሪኢና ኣብዚ ሓበራዊ መድረኽ ኩነታት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ እውን ብስፍሓት ምይይጥ ዝተገበረሉ ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ፀለመ ናብ ተሓታትነት ንምስጋር ክስርሓሉ እዩ። እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ገለ ውልቀ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ካብ ተልእኾኦም እናውፅኡ ኣብ ዘየድሊ ምንቅስቓስ እንትኣትዉ ድማ ብፅኑዕ ዲስፕልን ናብ መስሪሕ ተሓታትነት ንምስጋር ብጥቡቕ ክስርሓሉ እዩ። በቲ ካልእ መዳይ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ናይ ሓደ ዝኾነ ኣካል ደገፍትን መሳርሕን ከምዝኾኑ ተገይሩ ብሕቡእን ብቕሉዕን ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ ካብ ሕጊ ወፃእን ዘይቅቡልን ስለዝኾነ ብህፁፅ ድው እንተዘይሉ እዚ እውን ብስርዓት መሰረት ናብ ተሓታትነት ክሰግር ክስርሓሉ እዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ብzoom ከምዝገለፅዎ ድማ እቲ ሰራዊት ምስ ህወሓት ከምዝኾነ ይኹን እምበር ኣብ ላዕሐዎት ኣመራርሓ ክፍተት ከምዘሎ ኣመላኺቶም እዮም።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርኩምን ተኸታተልቲ ኣብ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ወሓስ ዝኾነ ሰራዊት ትግራይ እዩደ እዚ ብሕታዊ ትካል ከይፈርስ ጥንቃቀ የድልዮ እዩ። ብቀጥታን ብተዘዋዋርን እዚ ትካል ውሕስና ህዝቢ ትግራን ምዃኑ ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ክሕገዝን ክጠናኸርን እምበር ክፈርስ የብሉን። ነዚ ድማ ኩላትና ምእንታን ረብሓናን ድሕንነትና ሓድነትና ክነስጥም ከምኡ እውን ሰራዊት ትግራይ ህዝባዊ ውግንንኡ ከይስሕት ብውነ ዘብዒ ህዝቡን ዝተጣየሸሉን ዕላማን መትከልን ጠጠው ክብል ከምዝግባእ ክንገልፅ ንፈቱ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *