መግለፂ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ

እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘቐመጦ ኣንፈት መሰረት ኣመራርሓ ክልል፣ ዞባን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ካብ 23-24 ታሕሳስ 2017ዓ.ም ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ብዝርዝር ተመያይጦም ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ በፂሖም ኣለው።

እቲ ምይይጥ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዘዳለዎ መበገሲ ሰነድ መሰረት ዝገበረ ኮይኑ ትግራይ ዘላትሉ ኩነታት ብዝርዝር ብምፍታሽ መፍትሒ ኣንፈታት ዘነፀረ እዩ። ኣብ ትግራይ ናይ ዝተፈጠሩን በብግዜኡ ዝምዕብሉ ዘለዉን ፀገማት መሰረታዊ መበገሲኦም ፖለቲካዊ ከምዝኾነ ብግልፂ ብምንፃር ዘላቒ መፍትሕኦም እውን ፖለቲካዊ ምዃኑ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኣሎ።

ካብቲ ኣትናዮ ዘለና ኩለመዳያዊ ቅልውላው ንምውፃእን ፀገም ህዝብና ትርጉም ብዘለዎ ብርኪ ንምቅላልን ግዝያዊ ምምሕዳር ብኩሉ መንገዲ ምጥንኻርን ከምዘድልን ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘለው መሓውራቱ ተመዓራርዩ ናብ ጭቡጥ ተግባር ክኣቱ ከምዘለዎን ብሓባር ተደምዲሙ ኣሎ። መንግስቲ መደባቱ ኣብ ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ማእኸል ገይሩ ንምስራሕ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ዝያዳ ብምጥንኻር ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ መላእ ህዝብና እውን ኣብ ዙሪያ እዞም ዓበይቲ ብሄራዊ ኣጀንዳታት ዓሲሉ ሙሉእ ኣስተዋፅኦ ንክገብር እቲ ናይ ምይይጥ መድረኽ ክሳዕ ታሕቲ ክወርድ ከምዘለዎ ኣንፈት ተነፂሩ ኣሎ።

ኣብዚ ሓበራዊ መድረኽ ኩነታት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ እውን ብስፍሓት ምይይጥ ዝተገበረሉ ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ፀለመ ናብ ተሓታትነት ንምስጋር ክስርሓሉ እዩ። እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ገለ ውልቀ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ካብ ተልእኾኦም እናውፅኡ ኣብ ዘየድሊ ምንቅስቓስ እንትኣትዉ ድማ ብፅኑዕ ዲስፕልን ናብ መስሪሕ ተሓታትነት ንምስጋር ብጥቡቕ ክስርሓሉ እዩ። በቲ ካልእ መዳይ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ናይ ሓደ ዝኾነ ኣካል ደገፍትን መሳርሕን ከምዝኾኑ ተገይሩ ብሕቡእን ብቕሉዕን ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ ካብ ሕጊ ወፃእን ዘይቅቡልን ስለዝኾነ ብህፁፅ ድው እንተዘይሉ እዚ እውን ብስርዓት መሰረት ናብ ተሓታትነት ክሰግር ክስርሓሉ እዩ።

ትግራይ ኣትያቶ ካብ ዘላ ኩለመዳያዊ ቅልውላው ንምውፃእ ኩሎም ዓቕምታት ብዝግባእ ክሳተፉን ሓሳባቶም ክድመፁን ከምዘለዎም ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኣሎ። በዚ መሰረት እቲ ክሳብ ሕዚ ናብ ተግባር ዘይኣተወ ኣማኻሪ ካውንስል ቀልጢፉ ስርሑ ንክጅምር ኣንፈት ተነፂሩ ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ትግራይ ምስ ጎረባብቱ ብሰላም ንምንባር ዝተጀመሩ ናይ ህዝቢ ንህዝቢ ርክባት ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ተበፂሑ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *