ማልት፣ ብልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ብር እቶት ንምርካብ ትሰርሕ

  • ብወድዓዊ ምኽንያታት ናብ 17 ጥሪ 2017 ዓ/ም ተቑይሩ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ማልት) ኣብ 12 ዓበይቲ ከተማታት ፍሉያት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናፅ ማሕበረሰብ ካብ ዘሳተፈ ቴሌቶን 1ነጥቢ 5 ቢልዮን ብር እቶት ንምርካብ ትሰርሕ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ማልት “ተስፋ ሕዉየት” ብዝብል ቴማ 1.5 ቢልዮን ብር ንምእካብ ዘኽእል ቴሌቶን 17 ጥሪ 2017 ዓ/ም ከም እተካይድ ሎሚ 26 ታሕሳስ ኣብ ዝተዉሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ ተሓቢሩ።

እቲ ቴሌቶን ማልት ኣብ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርትን ሕውየት ትግራይ ልዑል ኣበርክቶ ክፃወታ ዝኽእላ 12 ፍሉያት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ 12 ዓበይቲ ከተማታት ንምህናፅ ዝዓለመ ምዃኑ ዓብዩ ብሄራዊ ኮሚቴ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንሚድያታት ትግራይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣፍሊጡ።

“ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣሻሓት ንፍዓትን ብሉፃትን ተምሃሮ ክስስኑ፣ ክምህዙን ክመርሑ ዕድል ዝረኽበሉ መፃኢ ትግራይ ንምፍጣር ዓሊማ ትሰርሕ ትካል እያ።” ዝበለ እቲ ዓብዪ ኮሚቴ ከም ቃላሚኖ ዝበላ 12 ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ 12 ዓበይቲ ከተማታት ንምህናፅ 1.5 ቢልዮን ብር ከም ዘድሊ ድማ ሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ንመስርሒ እተን ኣብያተ ትምህርቲ ዝኸውን ገንዘብ ንምርካብ እቶት መተኣካከቢ ቴሌቶን ከም ዘድሊ ብምግንዛብ ካብ ሕዳር 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ዓብይ ኮሚቴን ንኡሳን ኮሚቴ ብምጥያሸ ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናሰርሐ ከም ዝመፀ እቲ ዓብይ ኮሚቴ ኣረዲኡ።

እቲ ብዓይነቱ ዝተፈለየ መደብ መተኣኻኸቢ እቶት ቅድም ኢሉ 3 ጥሪ 2017 ዓ/ም ንኽሳለጥ ተሓሲቡ ዝነበረ ዋላ እንተኾነ ብወድዓዊ ምኽንያታት 17 ጥሪ 2017 ዓ/ም ብዝተጠናኸረ ኣገባብ ክሳለጥ መደብ ተታሒዙ ምህላዉን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ትግራዋይን ፈታዉን ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ እቲ ዓብዪ ኮሚቴ ፀዊዑ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *