ምዕባይ መጠን ምዕቋር

ባህሊ መጠን ምዕቋር ህዝቢ ትግራይን ዕንወት ትግራይን ኣብ ግምት ብምእታው ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ መጠን ልቓሕ ሓፍ ከብል ኣለዎ ክብሉ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክቡር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣተሓሳሲቦም ።

እቶም ፕረዝደት ነዙይ ዝበሉ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ወርሒ ግልጋሎት ዓማዊል ኣብ ዘኽበረሉ መድረኽ እዩ ።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ዝገበሮ ኣስተዋፅኦ ብምምስጋን ነገር ግን ክንድቲ ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት እንትግምገም ክእረምን ክመሓየሽን ስለ ዝግበኦ ትግራይ ዳግም ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ልዑል ኣበርክቶ ክገብርን ባንኪ ኣብ ዘይብሎም ከባቢታት መስፋሕፍሒ ክገብርን ተበፃሒ ክኾንን ኣገንዚቦም።

ብተወሳኺ ድማ ማሕበራዊ ሓላፍነት ምውፃእ ዳግመ ህንፀት ጥራሕ እንተይኾነስ በቲ ኩናት ምኽንያት ኣብ ፀበባን ፀገምን ዝርከብ ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ እግሪ ዝተኽለሉን ናብ ንቡር ምንቅስቓስ ዝምለሰሉን ኩነታት ንምፍጣር ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ ኢሎም ኣይተ ጌታቸው ረዳ ።

ኣብ ምንቕቓሕ ኢኮኖሚ፣ ኢንቨስትመንት ትግራይን ዓንዩ ዘሎ ኢኮኖሚን ኣብ ምልዕዓል ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ: ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ልዑል ግደ ክግበር ይግባእ ኢሎም ኣይተ ጌታቸው ረዳ ።

ኣብ ትግራይ ዝዕቆር መጠን ዕቋርን ዝወሃብ መጠን ልቓሕን ናይ ፍትሓዊነት ፀገም ይረአ እዩ ዝብሉ ወቐሳታት ኣለዉ ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት: እዚ ድማ ክእረም ኣለዎ ኢሎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *