ምፅራይ ገበን ወርቅን መኣድንን ክጅመር ተወሲኑ

ምፅራይ ወርቅን መኣድንን ናብ ትግበራ ክኣቲ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ።

ቅድም ክብል ብካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናይ ወርቅን መዓድንን ንክፃረ ብዝወሰኖ መሰረት፤ ትማሊ 30 ጥሪ 2017 ዓ.ም ኣካቢ ሓይሊ ዕማም መዓድን ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ ስራሕቲ ምውፃእ ወርቅን መዓድንን ደው ንክብል ከምኡ እውን ናብ ትግበራ ክእተን ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ኣሎ።

እዚ ትእዛዝ ዝሃቡ ምክትል ፕሬዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ እዮም።

ሌ/ጀነራል ታደሰ፤ ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ ምእራይን ምእላሽን ወርቅን መኣድንን ጠጠው ይበል ከምኡ እውን ሓዱሽ ፍቓድ ከይወሃብን ዝኽልክል መምርሒ ዝሓወሰ እዩ።

ኣዲስኣለም ሓጎስ #ሓዱሽ_ነገር

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *