ትግራወይቲ ቲክቶከር ወይዘሪት ስኬት ንጉስ ብደረጃ ሃገር ኣብ ዝተሰላሰለ ሽልማት TikTok Creative Award 2024 ተዓዋቲት ኮይና።
ቲክቶከር ስኬት ንጉስ ኣፍቲ 19 ታሕሳስ 2017 ኣ/ግ ብደረጃ ሃገር ዝተኻየደ ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ሽልማት Tiktok Creative Award 2024 ብዘፈር ዓውዲ “Best Emerging tiktoker” ‘ያ ተዓዋቲት ኮይና ዘላ።
ሽልማታ ምስተቐበለት ኣብ ዘስመዐቶ ዘረባ ካፍቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ቁሉዕ ወራር ካብ ቡሱል ጥረ ኮይና ብምትራፋን ንዚ ሽልማት’ዚ ብምብቃዓን ዝተሰመዓ ሓጎስ ገሊፃ።
ሐዚ’ውን ኣብ ትግራይ ድምፂ ጥይት ምትራፉ እንተዘይኮይኑ ብከርፋሕ ናብራ ምምዝባልን ጥሜትን ንዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ኣልዒላ ንመልእኽታ ንብዓታ ስዒርዎ ዘረባኣ ከተቋርፅ ተገዲዳ’ያ።
ንኹሎም ደገፍ ንዝገበሩላ ብሓፈሻ ብፍላይ ክኣ ንደገፍ ኣዲኣ ኣመስጊና።
ንቲ ስነስርዓት ሽልማት ብቐጥታ ፈነወ ሽፋን ዝህብ ዝነበረ ማዕከን ዜና ETV ኣብ ስነስርዓት ሽልማት tiktoker ስኬት ንጉስ በፂሑ ድምፂ እቲ ስነስርዓት ሽልማት ምጥፍኡ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ እቲ ማዕከን ዜና ቡዙሓት ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ብትሪ ኮኒኖሞን ምስ ፖለቲካዊ መርገፅን ኣራእያን ብምትሕሓዝ ድማ ዘሊፎሞ’ለው።