ብኣንቴክስ ኢትዮጵያ ዝተዳለወ ብብርኪ ሃገር ብዘፈር ኢኮኖሚ( ፈጠራ ስራሕ ዕድልን ኣስተዋጽኦ ማህበራዊ ድጋፋትን) መንእሰይ በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ምስ ካልኦት ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ሕፁያት ተነሓናሕቲ ምንባሮም ይፍለጥ።
ሎሚ ሓሙስ ኣብ ኣደራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ መድረኽ በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ተሸላሚ ሰርቲፊከትን ዋንጫን ብምዃን ብብርኪ ሃገር ንኩለመዳይ ስራሕቱን ማሕበራዊ ኣስተዋፅኦን ኣፍልጦ ተዋሂቦም ።