ኣብቲ ዕፅዋን ክባን ግዘ ሓደ ዝብላዕ ዝለሓስ እኽሊ ዘይብሉ ሰብኣይ ደቁ ብጥምየት ከይሞትዎ ተጨነቐ።
ኣብ ጎረቤቱ ድማ ኩል ግዘ ጠራዕ ኢሎም። “ብላዕ። ኣንታ ብላዕ” ዝብል ድምፂ ይስማዕ እዩ።
እቲ ብጥሜት ዝኸፍኦ ሰብኣይ ደቁ ንምዕንጋል ሃፅ ኢሉ ከይጠፍእ ዕፅዋን ክባን ኮኖ። ከይሰርሕ መንቀሳቐሲ የለን። ዘለዎ መማረፂ ናብቲ ጎረቤቱ ኸይዱ ካብቲ ዝበልዕዎ ዝተወሰነ ነገር ምልማን እዩ። ከይዱ ድማ እናሓፈረ፣ እናተሰከፈ፣ ወዘተ ማዕፆ ጎረቤቱ ኣንኳሕኩሐ።
እቲ በዓል ገዛ ምስ ደቁ ኣብ ንእሽተን ጠረጴዛ ከቢቡ
ኣብ ኢዱ ዘላ መኽደኒ ጠርሙዝ ቢራ ሒዙ እንከሎ “እተው መን ኢኻ?” በለ ።
እቲ ሰብኣይ ናብ ውሽጢ ገዛ ኣትዮ። ሰላምታ ኣቕረበ። ድሕሪ ሰላምታ ድማ ዝመፀሉ ዛዕባ ነጊሩ እኽሊ ለመነ።
እቲ ኣብ ኢዱ መኽደኒ ቢራ(ኮርኪ) ዝሓዘ ሰብኣይ ብርኩ ተደጊፋ ተለዓለ። እናሓዘነ ድማ ከምዚ በሎ።
” ክልተ ሰሙን መመላእታ ጥዑይ እኽሊ ኣይበላዕናን። ጥምየትና ንምርሳ ከምትርእየና ዳማ ንፃወት ኣለና። ” ኢሉ ነቲ ኣብ ልዕሊ እታ ጠረጴዛ ዘሎ መፃወቲ ዳማ ኣርአዮ።
ኣብታ ጠረጴዛ ሰብኣይ፣ ሰበይቲን ሰለስተ ደቁን ከቢቦም ይፃወቱ ነበሩ።
ከይርሳዕ ከይድገም!