ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣዕቂቦም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብሰንኺ ሕፅረት ምግብን መድሓኒትን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቆም ይርከቡ ።
ከም ሳዕቤኑ ድማ ሰለስተ ህፃናት ሓዊሱ 62 ተመዛበልቲ ወገናት ንሞት ከምዝተቓልዑ ንደውት ሓቢሮም ።
ኣብ ማእኸል መዕቆቢ 2ይ ብርኺ ቤት ትምህርቲ ንግሰተ ሳባ ቀፁሪ 1 ዝርከቡ ተመዛበልቲ ንድወት ከምዝገለፅሉ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ፎቆድኡ ይስደዱ ከምዘለውን ህዝቢ ብጥምየት ሂወቱ ይስእን ከምዘሎን ገሊፆም።
ኣተሓባበሪ እቲ ማእኸል መዕቆቢ መምህር ገብረመድህን ገብረመስቀል ከምዝሓበርዎ ካብ 2016-2017 ዓ/ም ኣብዘሎ ግዘ ጥራሕ 62 ሰባት ብሰንኺ ጥምየትን ሕማምን ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ኣረዲኦም።
ካብዚኣቶም 3 ህፃናት ሓዊሱ 9 ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ከምዝመቱ እዮም እቶም መምህር ወሲኮም ዝሓበሩ።
ብ ማረት ውስን ሓገዝ ከምዝቀርበሎም ዝሓበሩ እዞም ተመዛበልቲ ሐዚ እውን ስቃይና እናብኣሰ ይቅፅል ሰለ ዘሎ ዝምልከቶም ኣካላት ህፁፅ ሓገዝ ክገብርሎምን ናብ መረበቶም ክምልስዎምን ብመረረት ፀዊዖም።