ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካ ኣፈላላይ ንምፍታሕ ኮነ ብሓፈሻ ድማ ብኩለመዳይ ፀገም ትግራይ ንምቕራፍ ግደ መናእሰይ ወሳኒ እዩ። ነዚ ድማ ተሳትፎን ተረባሕነትን መናእሰይ ምርግጋፅ ይግባእ።
ተረባሕነትን ፅልዋን መናእሰይ ንምርግጋፅ ብዝብል ዕላማ ቤት ምኽሪ መናእሰይ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ተጣይሹ እዩ።
ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምጥያሽ ዝተረኸቡ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፤ መናእሰይ ኣብ ፓለቲካ፣ ቁጠባን ካልኦት ጉዳያትን ተሳቲፎኦምን ተረባሕነቶምን ንምርግጋጽ ብሰለማዊ መንገዲ ተወዲቦም ክሰርሑ ግቡእ ምዃኑ ገሊጾም።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘድሊ ደገፍ ከምዝገብር ዘመላኸቱ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፤ መንእሰይ ልዕሊ ኩሉ ሰላምን ልምዓትን እዩ ዝደሊ ኢሎም።
መንእሰይ መሪሕነቱ ዘረጋግጸሉ መንገዲ ንሰርሕ ኣለና ዝበሉ ጀነራል ፃድቃን፣ ኲናት በላዒ መናእሰይ ምዃኑ ብምሕባር ንኲናት እምቢ ክትብሉ ኣለኩም ኢሎም።
እቲ ተጣይሹ ዘሎ ቤት ምኽሪ ተጠናኺሩ ክኸይድን ምስ ተመሳሰልቲ ውዳበታት ብምርኻብ ምስራሕ ከምዘድሊ እውን ኣመላኺቶም።
ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ኣይተ ሐይሽ ሳባጋድስ ብወገኖም ፣ ካብ ዝኾነ ኣካል ወይ ወገን ነጻ ዝኾነ ቤት ምኽሪ ንምምስራት ብምኽኣልና እንኻዕ ደስ በለኹም ኢሎም።
ንቤት ምኽሪ መናእሰይ ትግራይ ብገንዘብን ናውትን ክጠናኸር ምስራሕ ከምዝግባእ ዘመላኸቱ ኣይተ ሐይሽ ስባጋድስ፣ውክልንኡ ንኩሉ መንእሰይ ትግራይ ኮይኑ ክቅጽል ከምዘለዎ ድማ ኣመላኺቶም።
ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ መናእሰይ ትግራይ ኮይኑ ኣብ ጉባኤ ምስረታ ቤት ምኽሪ መናእሰይ ትግራይ ዝተመረጸ መንእሰይ ልምዓት ተኽላይ ፣ መንእሰይ ትግራይ ኣጋጢሞምዎ ዘለው ማሕበረ ቁጠባዊ ካልኦትን ፀገማት ንምፍታሕ፣ መሰሉ ንምኽባር፣ ተሳትፍኡ ንምርግጋጽን ከምዝሰርሕ ኣመላኺቱ።
ኣብቲ ምስረታ ዲኤታ ሚኒስተር ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ወ/ሮ ሙና ኣሕመድን ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ መናእሰይ ኢትዮጵያ መንእሰይ ፉኣድ ገናን ተረኺቦም።
እቲ ዝተጣየሸ ቤት ምኽሪ ከመይ ተመሪፆም ተሳትፎ ወረዳታትን ዞባታትን ግልፅነትን ሕቶ ኣልዒሉ እዩ።
ንኣብነት ሎሚ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ምጥያሽ መናእሰይ ትግራን ኣመልኪቱ ተቓውምኡ ገሊፁ እዩ።
እቲ ማሕበር ኣብ መግለፂኡ ከምዝበሎ ንኹናት ፅንተት ትግራይ ስዒቡ በቢእዋኑ እናማዕበለ ዝርከብ ፖለቲካዊ ቅርሕንቲ፣ ሕጋዊ ሙኡዝንነትን እዝውነትን ኣሰራሓታትና ብቐፃልነት ክሽርሸሩን ኣብ ሓደጋ ክወድቁን በሪ ኸፊቱ እዩ።
ናይዚ ቁልፊ ምኽንያት ድማ ኩሎም እንተታትና ንፖለቲካዊ ልኩኻትና ንምፍፃም ብዝጥዕም መንገዲ ክቃነዩ ካብ ምድላይ ዝብገስ እዩ።
ናይዚ መርኣዩ ድማ ኣብዚ ቕነ ብብርኪ ትግራይ “ተጣይሹ ” ዝተብሃለ ውዳበ ቤት ምኽሪ መናእሰይ ትግራይ እዩ።
ኣብ 1996 ኣቆፃፅራ ግእዝ ዝወፀ ፖሊሲ መናእሰይ ኢትዮጱያ ፣ቤት ምኽሪ መናእሰይ ዝጣየሽ ዝተፈላለያ ኣብ ግብራዊ ስራሕ ዝርከባ ማሕበራት መናእሰይ ፣ክለባት፣ንቕናቐታት ወዘተ ከተሓባብርን ከዋድድን ምዃኑ ዝድንግግ እዩ።
እዘን ማሕበራት መናእሰይ ፣ ክለባት፣ ምንቕናቓት ወዘተ ካብ ኣድላይነት ክሳብ ምጥያሽ ቤት ምኽሪ መናእሰይ ኣብ ዘሎ ከይዲ ማዕረ ውክልናን ድምፅን ረኺበን ክሳተፋ ከምዘለወን እውን ይድንግግ።
ይኹን እምበር ኣጣይሻ እዚ ካውንስል መናእሰይ እዚ ልዕል ክብል ዝተገለፀ ከይዲ ዘየማለአን ብሓፈሻ ን ኣዋጅ መጣየሺ ሲቪል ማሕበረሰብ 1113/2011ዝፃባእን ስለዝኾነ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ከምዘይተወከለን ተወኪሉ እናተብሃለ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ዝናፈስ ዘረባ ጌጋ ከምዝኾነን ንገልፅ።
ብተወሳኺ እውን ውዳበ ሲቪል ማሕበር ዓርሱ ኪኢሉ ክጣየሽ ከምዘለዎ እቲ ኣዋጅ ዝድንግግ እናሃለወ ” ተጣይሹ” ዝበሃል ዘሎ ቤት ምኽሪ መናእሰይ ብገንዘብ፣ንዋትን ሓሳብን መንግስቲ ፌደራል ምዃኑ ብቕሉዕ ተገሊፁ እዩ። እዚ እውን ንመስርሕ መጣየሺ ኣዋጅ ሲቪል ማሕበራት ዝጠሓሰ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ ክብል ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ሎሚ መግለፂ ኣውፂኡ እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ምስረታ ቤት ምኽሪ መናእሰይ ትግራይ እንተጣየሽ ዝተረኸበት ወ/ሮ ሙና አሕመድ “በትግራይ ክልል እየተፈፀመ ነው እየተባለ ስለሚወራው የሴቶች ጥቃትና መደፈር ተጨባጭ ሪፖርት አልቀረበልንም፤ ስለዚህ ከወሬ የዘለለ አይደለም” ከምዝበለት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዘኻኺሮም እዮም።
ዝኾነ ኮይኑ መናእሰይ ትግራይ ብኩለመዳይ ተሳተፍትን ተረባሕትን ክኾኑ ይግባእ እዩ። እቲ ተሳትፎ ንምርግጋፅ ጥጡሕ ባይታ ዘድሊ ዋላ እዃ እንተኾነ ጥጡሕ ባይታ ክሳብ ዝፍጠር ድማ መናእሰይ ኢዶምን እግሮምን ኣኪቦም ክፅበዩ የብሎምን። ብሰላማዊ መንገዲ ክቃለሱ ከምዘለዎም ዝፍለጥ እዩ። ተሳትፎ መናእሰይ ምርግጋፅ ብግዚያውን ፍትሓውን ከይኾን መጥቀሚ ካልኦትን ደሓር መናእሰይ ተጎዳእቲ ከይኾኑ መናእሰይ ብውነ ነቂሖም ክርእይዎ ይግባእ።
ፍትሓዊ ከምኡ እውን ዘላቂ ተረባሕነት መናእሰይ ንምርግጋፅ ስትራተጂክ መሪሕነት ከምዝጠልብ እውን ምዝኽኻር የድሊ እዩ።
ብድምር መናእሰይ ምስ ወለዶምን ኣያታቶምን ትግራይ ብምዃን ንሓይልታት ፅንተት መኪቶም እዮመ። ሐዚ እውን ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካ ኣፈላላይ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ከምኡ እውን ተስፋ ቆሪፁ ዘይሕጋዊ ስደት ዝመረፀ፣ መንገዲ ተጠፊእዎ ኢዱን እግሩን ኣኪቡ ዝርከብ መንእሰይ፣ ካብ መረበቱ ዝተመዛበለን ዝተፈናቀለን ኣብ ከቢድ ዓፀቦ ዝርከብ ሓዱሽ ወለዶ፣ ብሚልዮናት ዝቁፀሩ ሸቅሊ ኣልቦ መናእሰይን ካልኦትን እቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ብፀላእቲ ዝተጠጀወ ሽርሒ ብንቕሓት ብሰላማዊ መንገዲ ክምክት ይግባእ ንብል።ሰላም።