ተጋሩ ኣትሌታት ኣብ ስፔን ተዓዊተን

ኣትሌታት ግርማዊት ገብረእግዚአብሔርን ፎትየን ተሰፋይን ኣብ ውድድር 10 ኪሎሜትሮ Valencia Ibercaja 2025 ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊተን።

ሎሚ ሰንበት ኣብ ስፔን ከተማ ቫለንሽያ ኣብ ዝተካየደ ውድድር 10 ኪሎሜትሮ Valencia Ibercaja 2025 ኣትሌታት ግርማዊት ገብረእግዚአብሔርን ፎትየን ተሰፋይን ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ብምሓዝ ዝነኣድ ውፅኢት ኣመዝጊበን።

ነቲ ውድድር ኬንያዊት ኣትሌት ሄለን ኢካላሌ ቀዳመይቲ ብምዃን ተዓዊታ ።

ኣትሌት ግርማዊት ገብረእግዚአብሔር ነቲ 10 ኪሎሜትሮ ንውሓት ዝነበሮ ውድድር ብ29 ደቒቓን 34 ሰከንድን ካልአይቲ ኮይና ክትዛዝም እንከላ ኣትሌት ፎትየን ተስፋይ ድማ ብ29 ደቒቓን 42 ሰከንድን ሳልሰይቲ ኮይና።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *