ነበርቲ ፀለምቲ ደጊሞም ይመዛበሉ ኣለው!

ውዕሊ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ተጋሂሱ ዕጡቓት ምልሻ ኣምሓራ ብሓይሊ ንገለ ክፋል ፀለምቲ ከምዝተቆፃፀሩን ነበርቲ ተመሊሶም ይመዛበሉ ከምዘለው ተገሊፁ።

ብሰንኪ ጆኖሳይድ ኩናት ትግራይ ተመዛቢሎም ዝነበሩ ተጋሩ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ደ
ዋላ እኳ ናብ መረበቶም እንተተመለሱ ዘተኣማምን ደሕንነትን ሰላምን ከምዘይረኸቡ እናገለፁ ፀኒሖም እዮም።

እቶም ተጋሩ ብተደጋጋሚ መንግስቲ ብመሰረት እቲ ውዕሊ ውሑስ ከለላ ሰላም ኣይገበረልናን እግሪ መትኸሊ ኣይሃበናን ኢሎም እዮም።

ካብቲ ኣብ ኬንዳን ጎደና ንሓይሽ እምበር ናብ መረበትና ምምላስና ሰለማዊ ድቃስ ክንድቅስ ኣይከኣልናን ብምባል ኣብ መረበቶም ዘሎ ፀገም ፀጥታን ክባር ናብራን ይገልፁ።

ሎሚ ድማ ወፂኦም ዝነበሩ ዕጡቓት ኣምሓራ ተወዲቦም ናብ መሬት ብምእታው ዝተጀመረት ጭላንጭል ሰላም ከምዝሃወኹዎምን ናብ እንዳባጉና ሽረ እንዳስላሰ ተመሊሶም ክመዛበሉ ከምዝተገደዱ ሓቢሮም።

መንግስቲ ፌደራልን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ውሑስ ሰላም ክፈጥሩሎም እውን ተላቢዮም እዮም።

ሓደ ተኣማኒ ፍልፍል ሓበሬታ ሓዱሽ ነገር ከምዝገለፆ ኣብ ከባቢ ማይፀብሪ ብቅድሚ ትማሊ ብበዝሒ ፣ ትማሊ ዝተወሰነ ድምፂ ቶኽሲ ብረትን ፈንጅን ከምዝሰምዐ ብቁፅሪ ክንደይ ወገናት ከምዝተወቕዑ ምግላፅ ከምዝፅገም ይኹን እምበር ናብ ከተማ ሽረ ብጥይት ዝተወቕዐ ሓደ መንእሰይ ንሕኽምና ክኸድ ከምዝረኣየ ገሊፁ።

ሎሚ ሮብዕ ካብቲ ዝሓለፉ መዓልታት ዝተወሰነ ምርግጋዕ ከምዘሎ ይኹን እምበር ነበርቲ ግና ነብሶም ካብ ሞት ንምትራፍ ተመሊሶም ይመዛበሉ ከምዘለው ሓቢሩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *