“ስምምዕ ፕሪቶሪያ ሙሉእ ንምሉእ ተፈፃሚ ንክኸውንን ህዝብና ኩለመደያዊ ሓገዛት ንክረክብን መንግስቲ ኔዘርላንድ ዝተጠናኸረ ደገፍ ክትቕፅለሉ።” ፕረዘደንት ጌታቸው ረዳ ፀዊዖም።
ፕረዘደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምባሳደር ክርስቲን ፒረነ ተቐቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ እዋን ከምዝገለፅዎ ስምምዕ ፕሪቶሪያ መሊኡ ተግባራዊ ብዘይምኳኑ ህዝብና ኣብ ከቢድ ፀገም ሰለ ዘሎ እቲ ስምምዕ መሊኡ ተፈፃሚ ንክከውንን ህዝብና ኩለመደያዊ ሓገዛት ንክረክብን መንግስቲ ኔዘርላንድ ዝገብሮ ሓገዛቱ አጠናኪሩ ክቕፅል ይግባእ ኢሎም ።
ኩለመደያዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ዝፍታሕ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ መሊኡ ተፈፃሚ እንትከውን ጥራም ምዃኑ ድ ድሕሪ ምግላፅ መንግስቲ ኔዘርላንድ ኣብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ሓንፂፁ ይሰርሕ ከምዘሎን ኩለመደያዊ ስራሕቱ ኣበርቲዑ ኽቅፅለሉ እውን ፀዊዖም።
ኣምባሳደር ክሪስቲን ብወገነን መንግስተን ሰፋሕቲ ስራሕቲ ፕሮጀክታት ከምዝሰርሕን ስራሕቱ አበርቲዑ ከምዝቕፅልን መሊኡ ተፈፃሚ ንክኸውን ሃገረን ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፀን።
ብተመሳሳሊ ስቓይን ሞትን ተመዛበልቲ ከብቅዕ ኔዘርላንድ ኮነ ማሕበረሰብ ዓለም እጃሙ ክዋፃእ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሓቲቶም።
ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ነዙይ ዝበሉ ንኣምባሳደር ኔዘርላንድስ ኣብ ኢትዮጵያ ክርስቲና ፔረን ተቐቢሎም ኣብ ዘዘራረብሉ እዩ።
ስምምዕ ፕሪቶርያ ዛጊድ ብዘይምፍፃሙ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝብና ሕዚ እውን ይቕተልን ይሳቐን ከምዘሎ፣ ተመዛበልትን ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብናን ሕዚ እውን ብዘይ ድምፂ ጥይት ይመውት ከምዘሎ ብምግላፅ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምትግባር ወረርቲ ሓይልታት ካብ መሬት ትግራይ ክወፁን ስቓይን ሞትን ህዝብና ከብቅዕ ኔዘርላንድ ኮነ ማሕበረሰብ ዓለም እጃሙ ክዋፃእ ከምዝግባእ ዶ/ር ደብረፅዮን ሓቲቶም።
ኣምባሳር ክርስቲና ብወገነን ምፍፃም ስምምዕ ፕሪቶርያ ንዘላቒ ሰላም ወሳኒ ምዃኑ ብምግላፅ እቲ ስምምዕ ክትግበር ማሕበረሰብ ዓለም እወንታዊ ግዲኡ ክዋፃእ ከምዝግባእ ገሊፀን።
ኣብቲ ዝርርብ ኣይተ ኣማኒኤል ኣሰፋን ዶክተር ፍስሃ ሃፍተፅዮንን ዝተረኸቡ ኮይኖም ኣብ ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶርያን ፓለቲካዊ ኩነታት ትግራይን ተመያይጦም።
ኣምባሳደር ክርስቲና ካብ ፕሬዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳርን ኣቦ ወንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብተወሳኺ ንተፎኻኸርቲ ውድባት ፖለቲካ ትግራይ እውን ኣዘራሪበን እየን።