ኣመሪካ ጆኖሳይድ ሱዳን ብስሙ ፀዊዓቶ፤ ናይ ትግራይ ኸ?

ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጀኖሳይድ ምፍፃሙ መንግስቲ ኣሜሪካ ዕላዊ ጌይሩ።

ሱዳን ገጢምዋ ዘሎ ከቢድ ኲናትን ኣብ ህዝቢ ዘንፀላለወ ሓደጋን ኣመልኪቱ መግለፂ ዘውፀአ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፤ ኣብታ ሃገር ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጀኖሳይድ ከም ዝተፈፀመ ገሊፁ።

ሓይሊታት ወሃብቲ ህፁፅ ደግፍ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጀኖሳይድ ከም ዝተፈፀመ ዝገለፀ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ሃፍቲ ኣሜሪካ፣ ኣብ ልዕሊ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ማዕቐብ ከም ዘንበረ ኣፍሊጡ፡፡

ንጀኖሳይድ ኣመልኪቱ ፈላማይ ምፅራይ ከምዝተኻየደ ዘፍለጠ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፤ ዕጡቓት ህፁፅ ወሃብቲ ደገፍ ብኵናት ካብ ዝመውት ህዝቢ ብተወሳኺ ንውሱናት ዓሌታት ከቢቦም ብጥሜትን ሕማምን ክሃልቁ ከም ዝገበሩ ኣፍሊጡ።

ፀሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ሑቡራት ኣመሪካ ኣንቶኒዮ ብሊንከን ከምዝገለፅዎ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ብሄመድቲ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ጉጅለ ዑጡቕ ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃቢ ደገፍ (RSF) ኣብ ሱዳን ጃምላዊ ቅትለትን ፆታዊ ዓመፅን ምግታእን ምጭዋይን ፤ ንኣህጉራዊ መስርሕ ብዝገሃሰ ሰብኣዊ ሓገዝ ምርሳይ ፤ ንህፃናት ቆልዑ ከይተረፈ ብመንነቶም ምርሻንን ፆታዊ ዓመፅ መፍፃምን ወዘተ ስለዝተረጋገፀ ኣብ ልዕሊ ሄመድቲ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ እገዳ ከምዝተነበረሎም ኣፍሊጦም።

ካፍቲ ውግእ ሕድሕድ ዝካየደሉ ከባቢ ንዝሃድሙ ሰለማውያን ሰባት እንዳሰዓብካ ኮነይ ኢልካ ምቕታል ኣብ መረበቶም ንዝተረፉ ሰለማውያን ሰባት ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኸይረኽቡ ከምዝዓገቱን ብሑሱም ጥሜት ንኽሞቱ ከምዝተገበረን ድሕሪ ምግላፅ ብሓፈሻ “ኣባላት RSFን መሻርኽቲ ሚሊሻታትን ኣብ ሱዳን ጃምላዊ ቅትለት ፈፂሞም’ዮም” ክብሉ ደምዲሞም።

ብመሰረት እዚ ብሽም እቶም ዋና ኣዛዚ እቲ ጉጅለ ዑጡቕ ዝርከብ ሃፍተ ገነቶም እገዳ ብምንባር ብሓፈሻ ድማ ኣብ ሱዳን ከቢድ ገበን ውግእ ከምዝፈፀሙን ብሄመድቲ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ጉጅለ ዑጡቕ ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃቢ ደገፍ (RSF) ተሓታታይ ምዃኖምን ወሲኾም ገሊፆም።

ገበን ጀኖሳይድን ገበን ኲናትን ምስ ዝፈፀሙ ኣካላት ዝኾነ ዓይነት ርክብ ክግበር ከምዘይፈቅድ ዘፍለጠ ምምሕዳር ሃፍቲ ኣሜሪካ፤ ንመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ኣብ ሕቡራት ዒማራት ዓረብ ዘሎ ኩባኒያታቶምን እገዳ ከም ዝገበረትሉ ምፍላጡ ኣሶሼትድ ፕረስ ፀብፂቡ።

መንግስቲ ሑቡራት ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ምፅናት ዓሌት ከምዝተፈፀመ ሎሚ ብዕሊ ኣዊጁ። ቀንዲ ብዓል ዋና እቲ ምፅናት ዓሌት ድማ ብሓይልታት ቅልጡፍ ወሃብቲ ደገፍ ሱዳን (RSF) ከምዝተፈፀመ ብምጥቃስ ኣብ ልዕሊ መራሒ እቲ ጉጅለ ዑጡቕ እገዳ ኣንቢሩ።

ኣብ ትግራይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ንፁሃን ተጋሩ ዝፀኘተሉ ፣ ንክልተ ዓመት ምሉእ ብምሉእ ብኩለ መዳይ ዕፅዋን ክባን ዝኸረረሊ፣ ልዕላ 125 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ተጋሩ ዝተዓመፃሉ፣ ትካላት ትግራይ ዝዓነየሉ ዝተወረረሉ፣ ሓይልታት ፅንተት ዓሊሞምን ተሊሞምን ዓለም ለኸ ገበን ዝፈፀምሉ፣ ብሰማይ ብነፈርትን ድሮንን ብመሬት ብጥይት፣ ወዘተ ዓለምለኸ ገበናት ዝተፈፀመሊ ጆኖሳይድ ኩናት ትግራይ ግን ክሳብ ሐዚ ማሕበረሰብ ዓለም ” ኣብ ትግራይ ጆኖሳይድ ” ተፈፂሙ ክብሉ ኣይከኣለን። ንምንታይ?

ሐዚ እውን ካብቲ ሰላሕታዊ ጆኖሳይድ ህዝቢ ትግራይ ሓራ ክወፅእ፣ ህዝቢ ከም ህዝቢ ሃለዋቱን ደሕንነቱን ብዘላቂ ንምርግጋፅ ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጆኖሳይድ ንዝኾነ ፖለቲካዊ ረብሓ ከይውዐለት ብስሙ ክትፅውዖ ኣለዎ።

እዚ እንተዘይኾይኑ ግን እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጆኖሳይድ ዳግም ክፍፀም ይኽእል እዩ። ብዝገደደ ። ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም እውን ተመሳሳሊ ገበን ክፍፀም በሪ ክኸፍት እዩ። ብቀንዲ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ክፀንት ይኽእል እዩ። ገበነኛታት ተሓተትቲ ምግባር ፍትሒ ምርግጋፅ ዘይሕሰብ እዩ። እቲ ዝተበተኘ ማሕበረሰብ ካብ ሞት ዘምለጠ ከም ደቂ ዛግራ ክብተን እዩ። ትግራይ ከም ትግራይ ነበርያ ነበረ ክትኾን ዝገብር እዩ።

ስለዚ ውዕሊ ስምምዕ ሰላም መሰረት ብምግባር ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ዝተመዛበለን ዝቸፈናቀለን ህዝቢ ናብ መረበቱ ይመለስ። ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራን ይመለስ። ዕጢቃት ኣምሓራን ሻዕብያን ካብ ትግራይ ይውፅኡ። ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ይረጋገፅ። ገበነኛታት ይተሓተቱ። ፍትሒ ይረጋገፅ። ዓለም ጆኖሳይድ ትግራይ ብስሙ ትፀውዓዮ ንብል። መንግስቲ ኣመሪካ እቲ ኣብ ሱዳን ዝተፈፀመ ገበን ጆኖሳይድ ዝበልካሉ ኣንደበት ኣብ ትግራይ እውን ጆኖሳይድ ከም ዝተፈፀመ ክምስክር ኣለዎ።

ምኽንያቱ እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተፈፀመ ጆኖሳንድ ብውዕሊ ፕሪቶሪያ መልክዑ ቀይሩ ሰላሕታዊ ጆኖሳንድ ይፍፀም እዩ ዘሎ። ነዚ ሓደ መርኣያ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ብሰንኪ ጆኖሳንድ ኩናት ትግራን ዝተመዛበሉን ዝተፈናቀሉን ተጋሩ ክሳብ ሐዚ ኣብ ከቢድ ዓፀቦ እዮም ዝርከቡ። እቲ ውዕሊ ፈፂሙ ክፍፀም ብዘይምኽኣሉ። በቢ መዓልቱ ተጋሩ ይሞቱ እዮም ዘለው።

ንኣብነት ኣብ ወርሒ ታሕሳሰ 2013 ዓ/ም ኣብ ኢሮብ ዝካየድ ዝነበረ ኹናት ምንም ርኽብ ዘይነበሮም ሰለማዊያን ሰባት ብኣረመናዊ ሰራዊት ኤርትራ ብዘሰኻሕኽሕ ኩነታት ተጨፍጭፋም ብጅምላ ዝተቐተሉ ኢሮበቶት ምርኣይ ይከኣል እዩ።

ብሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢሮብ ዝካየድ ሳላሕታዊ ፅንተት ድሕሪ 4 ዓመት ሐዚ እውን ይቕፅል ኣሎ እዩ።

ስለዚ ዓለም ተመሳሳሊ ጆኖሳይድ ከይድገምን ከይርሳዕን ጆኖሳይድ ትግራይ ከምቲ ናይ ሱዳን ብስሙ ትፀውዓዮ። “ኣብ ትግራይ ጆኖሳይድ ተፈፂሙ እዩ” ትበል።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *