ኣብ ምትግባር ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘተሓሳስብ ስለዝኾነ ፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ቀልጢፉ ክዝቲ ኣቦወንበር ህወሓት ፀዊዑ

ኣቦወንበር ውብድ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ላዕለዋይ ሓላፊ ኮሚቴ ምክትታል፣ ምርግጋፅን ምኽባርን ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኖም ንዝተመደቡ ሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣላዴ ኣክሶዴ ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም፡:

ሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣላዴ ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ኮሚቴ ንዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ስቴፈን ራዲና ተኪኦም ብሕብረት ኣፍሪካ ዝተመደቡ እዮም፡፡

ኣብቲ እዋን ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣላዴ ሰናይ እዋን ስራሕ ብምምናይ እቲ ኮሚቴ ተልእኹኡ ንምፍፃም ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ደገፍ ውድብ ህወሓት ከምዘይፍለዮ ገሊፆም፡፡

እቲ ኮሚቴ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅታት ብንፁር ኣለልዩ ፀብፃቡ ከቕርብ ዘዘኻኸረ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወፃኢ ዘለዉ ሓይልታት ዛጊድ ካብ መሬት ትግራይ ብዘይምውፅኦም ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ወገናትና ናብ መረበቶም ክምለሱ ከምዘይከኣሉን ሉእላዊ መሬት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ከምዝርከብን ገሊፁ፡፡

ንምቁራፅ ሓገዝ ለገስቲ ትካላት ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲን ዝተሰደዱን ወገናትና ዝበኣሰ ሓደጋ ኣንፀላልዩ ከምዘሎ ብምግላፅ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ውሕስንኦም ተሓልዩ ብቕልጡፍ ናብ መረበቶም ክምለሱ እጃምኩም ክትዋፅኡ ይግባእ ኢሉ፡፡

ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝርከብ ህዝብና ይኹን ኣብ ቀረባ ብዘይውሑስ መንገዲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝተገበሩ ወገናትና ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዘርከቡ ዝገለፀ ዶ/ር ደብረፅዮን ዛጊድ ፖለቲካዊ ዘተ ዘይምጅማሩ፣ ዝተሰረዘ ሕጋዊ ኣፍልጦ ፈራሚ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝኾነ ውድብ ህወሓት ዘይምምላሱን ገሊፁ፡፡

ብሓፈሻ ኣብ ምትግባር ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘሎ ኩነታት ዘተሓሳስብ ስለዝኾነ ፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ቀልጢፉ ተኣኪቡ ክዝቲ ከምዝግባእ ኣቦወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ፀዊዑ፡፡

ላዕለዋይ ሓላፊ ኮሚቴ ምክትታል፣ ምርግጋፅን ምኽባርን ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኖም ዝተመደቡ ሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣላዴ ኣክሶዴ ብወገኖም ብመሰረት ተልእኹኦም ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት እናተኸታተሉ ፀብፃቦም ከምዘቕርቡ ብምግላፅ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ሓቢሮም ከምዝሰርሑ ገሊፆም፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *