ኣብ ትግራይ፤ ክሕፈስ ካብ ዝተተለመ ሲሶ ዝኣክል ፍርያት ኣይተረኸበን

ኣብ ትግራይ ክርከብ ዝግብኦ 7 ሚልዮን ኩንታል ፍርያት ክርከብ ኣይተኸኣለን።

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2016/17 ክርከብ ካብ ዝተተለመ ፍርያት ልዕሊ 13 ሚሊየን ኩንታል ምህርቲ ከምዝተኣከበ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ጊዜያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ፡፡

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኢያሱ ኣብረሃ (ዶ/ር) ከምዝገለፁዎ÷ ኣብቲ ዘበነ ምህርቲ ዓቕሚ ምፍፃም ብምድንፋዕ መጠንን ፅሬትን መፍረያይነት እቲ ክልል ንምዕባይ ሰፊሕ ስራሕ ተሰሪሑ።

ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2016/17 ፤ 20 ሚሊየን ኩንታል ምህርቲ ንምፍራይ ተሓሲቡ 13 ሚሊየን ኩንታል ምህርቲ ከምዝተኣከበ ተዛሪቦም፡፡

ናይቲ ክርከብ ተተሊሙ ዝነበረ ሲሶ ዝኣክል 7 ሚልዮን ኩንታል ግን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክርከብ ኣይተኸኣለን።

እቲ ክልል ንዓውዲ ሕርሻ ትኹረት ሂቡ ምስርሑን መንግስቲ ፌደራል እታወታት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ምግባሩን ንዝተረኸበ ውፅኢት ኣስተዋፅኦ ነይሩዎ ኢሎም።

ኣብ ዝቕፅል ዘበነ ምህርቲ ዝሕረስ መሬት ብምስፋሕን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባርን ዝሐሸ ፍርያት ንምእካብ ምድላው ከምዝግበር ገሊፆም እዮም፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *