ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ጎልጎል ራያ ኣብ ኢድ ኢንቨስተራት ዘሎ መሬት መብዛሕትኡ ክለምዕ ብዘይምኽኣሉ ጠንቂ ሰናይ ምምሕዳር ይኸውን ምህላዉ ተገሊፁ ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ጎልጎል ራያ ወረዳታት ራያ ዓዘቦን ራያ ጨርጨርን ንኢንቨቲመንት ሕርሻ ክውዕል ተባህሉ ንኢንቨስተራት ካብ ዝተወሃበ መሬት መብዛሕቲኡ ክለምዕ ዘይምኽኣሉን እቲ ዝለምዕ ዘሎ እውን በቲ ውዕሊ መሰረት ብዘይምልመዖምን ካብኡ ክርከብ ዝግበኦ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ካብ ምስኣን ብተወሳኺ ጠንቂ ሰናይምምሕዳር እተን ወረዳታት ይኸውን ምህላዉ ኣመራርሓ እተን ወረዳታት ገሊፆም ።

እቶም ኣመራርሓ እዚ ዝገለፁ 13 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ናይ ወረዳታት ራያ ዓዘቦን ራያ ጨርጨርን ምንቅስቓስ ኢንቨስትመንት ኣመልኪቱ ኣብ ራያ ጨርጨር ኣብ ዝተሳለጠ ዋዕላ እዩ ።

ኣብቲ ዋዕላ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ክልል ፣ ዞባ ፣ ክልተኤን ወረዳታት ፣ኢንቨስተራት ፣ ኣመራርሓ መድረግቲ ትካላትን ኣካላት ፀጥታን ተረኺቦም እዮም ።

ኣብቲ መድሪኽ ምኽክር ዝተረኸቡ ኣመራርሓ ክልቲኤን ወረዳታት ደጋግሞም ከም ዝገለፅዎ ዋላኳ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ብስንኪ ኣልዕለና ዝተፈፀመ ናይ ፅንተት ኩናት ዘብፀሖ ዕንወት ዝለዓለ ምኽንያት እንተኾነ ‘ ኳ ቅድሚ ኩነታት ምፍጣሩ ኣትሕዞም ውልቀ ኢንቨስተራት ይኹኑ መንግስታዊ ትካላት ንቡዙሕ ግዜ ኣብ ኢዶም ዝነበረ ሰፍሕ መሬት ናብ ልምዓት ዘይምእታዎምን እቶም ናብ ልምዓት ዝኣተዉ ኢንቨስተራት እውን ኣብ ዉሱናት ኢንቨስተራት ዝሐሸ ሙከራ እንተሃለወ እውን መብዛሕትኦም በቲ ዝኣተውዎ ውዕሊ መሰረት ብኣግባቡ ብዘይምልመዖም ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ካብቲ መሬት ክረኽቦ ዝግበኦ ኢኮኖሚያዊ ረብሓን ተሞክሮን ካብምስኣኑ ብተወሳኺ ጠንቂ ሰናይ ምምሕዳር ይኸውን ኣሎ ክብሉ ገሊፆም ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ካብ ጣብያ ክሳብ ክልል ዘለና ዝምልከተና ኣካላት ኣብ እንገብሮ ደገፍን ክትትልን ተናብብካ ካብ ዘይምስራሕ ዝተፈጠረ ክፍተት ስለ ዝኾነ ድሕሪ ሐዚ ዘየልምዕ ኢንቨስተር በቢ ብርኩ ዘሎ ዝምልከቶኣካል ቀልጥፍካ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ ኢሎም ።

ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኸቡ ገለ ኢንቨስተራት ብወገኖም ብምኽንያት እቲ ዝሓለፈ ኩናት ዝፈጠሮ ዕንወት ዘሎ ናይ ዓቕሚ ምስኣን ፤ ሕፅሬት ልቓሕ ገንዘብንን መሰረተ ልምዓትን ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ኣብታ ዓዲ ዘሎ ናይ ፖለትካ ቀውሲ ወዘተ ዝፈጠሮ ፀገም እዩ ናብ ልምዓት ዘይኣተና ኢሎም ።

ኣብቲ መድርኽ ምክክር ኣቕርቦት ሓይሊ መብራህቲ መሰረት ተገይሮም ዝተለዓሉ ፀገማት መብረሂ ዝሃቡ ኣብ መብራህቲ ሓይሊ ሪጅን መቐለ ዳይሬክተር ዝኾኑ ኣይተ ግደይ በየነ ብግዲኦም እቶም ምስ ሕፅሬት ኣቕርቦት ሓይሊ መብራህቲ ዝተለዓሉ ፀገማት ትክክል ምዃኖም ብምግላፅ እቲ ፀገም ንምፍታሕ በቲ ዓቕሚ ዝፈቐዶ እናተሰርሐ መፅኡ እዩ ።

ኮይኑ ግና ኣብ ጎልጎል ራያ ዘሎ ጠለብ ልዑል ብምዃኑ ሐዚ ብሓይሊ ሰብን ብንብረት ናይ ምጥንኻር ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ ። ብፍላይ ብማሕበር ተወድቦም ናብ ልምዓት መስኖ ዝኣተዉ ሓረስቶት ብዝተፈለየ መልክዑ ንምሕጋዝ ናብ ስራሕ ኣትና ስለዘለና ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ግልጋሎት ንኣቲ ኢና ።

ካልእ ምስ ክፍሊት ምኽባር ዝተተሓሓዘ ዝቐረበ ሕቶ እንትምልሱ ዋላኳ ብሃገር ደረጃ ናይ ግልጋሎት ክፍሊት ዝተወሰኸ እንተሃለወ እቲ ፀገም ግና በቢ ወርሑ ካብዘይ ምኽፋል ዝፍጠር ፀገም እዩ ክብሉ ኣብርሆም ።

ኮሚሽነር ኢንቨስቲመንት ትግራይ ኣይተ ዳኒኤል መኮነን ብወገኖም እቲ ናይ ፅንተት ኩናት ዘብፀሖ ዕንወት ኣብ ግምት እናእተውና ቅድሚ ኩናት ሕዞም ድሕሪ ኩናት እውን ዝደቀሱ ኢንቨስተራት ኣለዉ ። ኣብ ኣመላምላ ኢቨስተራትናን ንገብሮ ደገፍን ክትትልን ብኣግባቡ ብዘምስራሕና ዝፈጠሮ ፀገም እዩ ።

ሐዚ ዘሎ ዘየልምዕ ኢንቨስተር ካልእ አብኣግባቡ ዘልምዕ ኢንቨስተር ከይመፅእ መርኤያ ዕንቅፋት ይኸውን ስለዘሎ ዘየዳግም ኣቋምን መስርሕን ክንኽተል ይግባእ ክብሉ ገሊፆም ።

ኣብ ቢሮ መሬትን መኣድንን ትግራይ ምክትል ቢሮ ሓላፊት ዝኾና ወ/ሮ ኣልማዝ ተስፋኡ ብግዲኤን ከም ቢሮ ዋላኳ እቲ ስጉምቲ ዝደንጎየ እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ዘየልምዑ ኢንቨስተራት ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝተጀመረ ብምግላፅ ብመሰረት እዚ ድማ ካብቶም ኣብ ክልተኡ ወረዳታት ከምዘየልምዑ ብመፅናዕቲ ዝተረጋገፁ ኣብቶም 41 ኢንቨስተራት ስጉምቲ ተወስዱኣሎ እዚ ተጠናኽሩ ክቕፅል እዩ ኢለን ።

ኢንቨስተራት ብውዕሎም መሰረት እናልመዑ ኣይኮኑን ። ካልኦት ምኽንያታት እንተሃለዉ ‘ኳ ኣተሓሳስባን ገንዘብን ሕዙ ንግሉን ነቲ ከባብን ክጠቕም ኣለኒ ኢሉ ዝኣተወ ኢንቨስተር ብጣዕሚ ውሑድ እዩ ። መብዛሕትኡ መሬት ክሕዝ ኣለኒ ኢሉ ዝኣተወ እዩ ። ነዚ ድማ በቢብርኩ ዘለና ዝምልከተና ኣካላት እናተኻታተልና ብሰዓቱ ክውሰድ ዝግበኦ ስጉምቲ ብዘይ ምውሳድና ልምዓት ካብ ምጉዳእና ብተወሳኺ ጠንቂ ሰናይ ምምሕዳር ኮይኑ ኣሎ ኢለን ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ብወገኖም ኣብ ኢድ ውልቀ ኢንቨስተር ይኹን ኣብ ኢድ መንግስታዊ ትካል ዘሎ መሬት ዘየልምዕ እንተኾይኑ ይለቅቕ ።

ናይ ኢንቨስቲመንት ኣተሓሳስባን ገንዘብን ሕዙ ዘይመፀ ኢንቨስተር ኣብ ኢንቨስቲመንት ክቕፅል የብሉን ፤ ተዘይኮይኑ መሬት ንኩሉ ሰብ ማዕረ ኢያ ፤ ኢንቨስቲመንት ኢንቨስቲመንት ኮይኑ ክመፅእ ኣለዎ ኢንቨስቲመንት ኮይኑ ክቕፅል ኣለዎ ።

ህዝብን መንእሰይን ራያ ዝበለፀ ዝጥቀም ካብ ዝበለፀ ኢንቨስተር እዩ ዝበሉ ኣይተ ሃፍቱ ካብዚ ወፃኢ ዘሎ ኢንቨስተር ግና ስርዓት ክሕዝ ኣለዎ ኢሎም ከም ፀብፃብ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ደቡብ ትግራይ ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *