ኣብ ደቡብ ኮርያ ነፋሪት ተሓምሺሻ

ዋንነታ ናይ መንገዲ ኣየር ጀጁ ዝኾነት ነፋሪት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ደቡብ ኮርያ ተሓምሺሻ። ልዕሊ 120 ተሳፊሮም ዝነበሩ መንገደተኛታት ሞይቶም።

እታ ካብ ባንኮክ ታይላንድ ናብ ደቡብ ኮርያ 175 ተሳፈርትን 6 ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት ኣሳፊራ ዝነበረት ነፋሪት ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሙያንግ ክትዓልብ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን’ያ ተሓምሺሻ ዘላ።

ትካል መጥፋእቲ ሓዊን ወሃብቲ ህፁፅ ረድኤትን ደቡብ ኮርያ ዛጊድ ናይ 120 ኣስክሬን ከምዝኣረዩን ገና’ውን እቲ ናይ ምድሓን ስራሕ የሰላስሉ ከምዘለውን ኣፍሊጦም’ለው።

ጠንቂ ምውዳቕ ናይታ ብመገዲ ኣየር ጀጁ ትውነን ቦይንግ ነፋሪት ዛጊት ብንፁር ከምዘይተፈልጠ ማዕከን ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *