“እኹል ቀረብ ደም የለን” ባንኪ ደም መቐለ

ባንኪ ደም መቐለ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ተደራራቢ ፀገማት እኹል ቀረብ ደም ንትካላት ጥዕና ከቕርብ ከምዘይከአለ ገሊፁ።

‎መተሓባበሪ ባንኪ ደም መቐለ ኣይተ መኮነን ኣስፍሃ ንሚድያታት ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ፦ባንኪ ደም መቐለ ፈላማይ ባንኪ ደም ትግራይ ኮይኑ ሐዚ ን32 ትካላት ጥዕና መቐለን ዶቡብ ምብራቕን ፣ምብራቕ ትግራይን ካብ ወለንታውያን ቀወምቲ ለገስቲ ደምን ተምሃሮ ካልኣይ ብርክን ዮኒቨርስትን ደም ኣኪቡ እናቕረበ ህይወት ብዙሓት እናውሓሰ ከምዝመፀ ሓቢሮም።

ኮይኑ ግና ኣብዚ ዓመት 14 ሽሕ ዩኒት ደም ንምእካብ ተሊሙ ክሳብ ሐዚ 7000 ዩኒት ደም ጥራሕ ከምዝኣከበን ነቲ ዘሎ ጠለብ ከማልእ ብዘይ ምኽኣሉ ብሰንኪ ሕፅረት ደም ኣብ ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ካልኦት
‎ብርክት ዝበሉ ውጉኣት ኲናትን ግዳያት ሓደጋ ትራፊክን ተሓኪሞም ብእዋኑ ክድሕኑ ዝግበኦም ሕክምናኦም ይጓተት ከምዘሎ ገሊፆም።

‎መንቀሊ እቲ ፀገም እንትገልፁ ድማ ወለንታውያን ለገስቲ ደም ከምቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበሩ ከምዘይኮኑን ቁፅሪ ቀወምቲ ለገስቲ ደም ካብ 400 ከምዘይበዝሑን ከም ስድራ ለገስቲ ደም ብቑፅሪ 4 ጥራሕ ምዃኖም ኣይተ መኮነን ተዛሪቦም።

ትሑት ግንዛበ ሕብረተሰብን ኣጋጢሙ ዘሎ ሕፅረት ነዳድን ዝወለዶ ድማ ተወሳኺ ማሕነቆ ከምዝኾነ እዉን ኣፍሊጦም።

‎ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ዝተረኽበ ደም እውን ብውሑስ መንገዲ ክንዕቅብ ንፅገም ኣለና ዝበሉ ኣይተ መኮነን እቲ ስራሕቲ ምእካብ ደም ኣብ መቐለ ጥራሕ ተሓፂሩ ክተርፍ ከምዝተገደደ ህፁፅ ፍታሕ እንተዘይረኺቡ ዝኸፍአ ሕፅረት ከጋጥም ከምዝኽእልን ኣረዲኦም።

“‎ኩሉ ደም ክልግስ ዝግበኦ ወገን ብወለንተኡ ደም እንተለጊሱ እቲ ሐዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ምፍታሕ ከምዝከኣልን ዝምልከቶም ኣካላት ኣመራርሓ መንግስቲ፣ ሰብ ሞያ ጥዕናን መራኸብቲ ሓፋሽን ኣብ ምፍታሕ እቲ ፀገም ግቡኦም ክፍፅሙ ፃውዒት ቀሪቡ ኣሎ።

ምክንያቱ ድማ ግንዛበ ሕብረተሰብ ብዝድለ ዘይዓበየ ምዃኑን ዝልግሶ ደም ንባዕሉን ስድርኡን ከድሕን ዝኽእል ምዃኑ ዘይምእማንን ብቐዳምነት ዝስራዕእዩ ኢሎም።

‎ በቢ ከባቢኡ እናኸዱ ከየምህሩን ደም ከይእክቡን ከም ማሕንቖ ዓጊቱ ዝሓዘ ቀረብ በጀትን ነዳድን እውን ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ዝስራዕ ፀገም እቲ ትካል ምዃኑ ሓቢሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *