ከይዲ ህንፀት መንገዲ ምንፃፍ ኣስፋልት ካብ ላዕለዎይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ናብ ሆቴል ሳይዛናን ኣብርሃ ካስትልን ዝወስድ መንገዲ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።
ምምሕዳር ከተማ መቐለ ምስ ሱር ኮንስትራክሽን ብምትሕብባር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከተማ መቐለ ዘሳልጦ ዘሎ ህንፀት ኣስፋልት መንገድታት ብምጥንኻር ሎሚ 25 ታሕሳስ 2017 ዓ⁄ም ካልኣይ ዙር ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከቡ ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ናብ ሆቴል ሳይዛናን ኣብርሃ ካስትልን ዝወስድ መንገዲ ምንፃፍ ኣስፋልት ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።
መካየዲ ስራሕ ሱር ኮንስትራክሸን ኢንጀነር ዘንፉ ኣስፋው ኣብቲ ከይዲ ምጅማር ምንፃፍ ኣስፋልት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ “ሱር ኮንስትራክሸን ምስ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ካብ 2009 ዓ/ም ጀሚሩ ኣስፍልት መንገዲ ንምስራሕ ውዕል ኣሲሩ እናሰረሐ ይርከብ። በዚ መሰረት ኣብ ቀዳማይ ዙር 30 ኪ/ሜትር ብፅሬትን ሰሌጠንን ሰሪሑ ዘረከበ እንትኸውን ኣብ 2010 ዓ/ም ውዕል ዝኣሰሮን ብሰንኪ ወራር ፅንተት ትግራይ ተቛሪፁ ዝነበረን ህንፀት መንገዲ 44.5 ኪ/ሜትር ብምቕፃል ከይዲ ህንፀቱ ብዝድለ ፅሬት እናተሰርሐ ከም ዝርከብ ገሊፆም። እዚ ሎሚ ዑደት ዝተኻየደሉን ምንፃፍ ኣስፋልት ዝተጀመረን 11 ኪ/ሜትር ንውሓት ዘለዎ መንገዲ ድማ ኣብ 2016 ዓ/ም ውዕል ዝተኣሰረ ሳልሳይ ዙር ህንፀት መንገዲ ኣስፋልት ምዃኑ ድማ ኣብሪሆም።
ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ፣ ብወገኖም “ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ ኣብ 2017 ዓ/ም ክስርሑ ኣለዎም ኢሎ ካብ ዝሓዞም ፕሮጆኽታት ሓደ ናይ ምንፃፍ ኣስፋልት እዩ። እዚ ዝስራሕ ዘሎ ምንፃፍ እስፍልት ልዕሊ 60 ዓመት ዘቑፀረን ናይ ተፋሰስ ፀገም ዝነበሮን ብምዃኑ ኣፍሪስካ ከም ብሓድሸ ንምስራሕ ብቤት ምኽሪ ተወሲኑ ናብ ተግባር ተኣትዩ” ኢሎም።
ብመሰረት እዚ ኣመራርሓ ምምሕዳር ከተማ መቐለን ትካል ሱር ኮንስትራክሽንን ኣብ ዘካየድዎ ዑደት እቲ ካብ ላዕለዎይ ቤት ፍርዲ ናብ ሳይዛና ሆቴል ካብ ሳይዛና ድማ ናብ ኣብርሃ ካስትል ዝስራሕ ዘሎ ከይዲ ህንፅት ምንፃፍ እስፋልት ብዝሓሸ ፅሬትን ሰሌጠንን ይሳለጥ ምህላዉ ከምዘረጋገፁ ሓቢሮም፡፡