ሰለስተ ብሄራዊያን ውድባት ትግራይ ብሓባር ዝሰርሓሉ ኪዳን ዕላዊ ገይረን።
ብሄራውያን ውድባት ፖለቲካ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ፣ ናፅነት ትግራይን ዓረና ንዴሞክራስን ልኡላውነትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእለን ጥምረት መስሪተን።
እቲ ጥምረት “ኪዳን ተጋሩ ንብሄራዊ ድሕነት” ብዝብል ስም ብዕሊ ዝተመስረተ እንትኾን፣ ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ከም ዝተመኻኸሩሉ ኣቦ መንበር ውድብ ናፅነት ትግራይ ዶክተር ደጀን መዝገበ ገሊፆም።
ብሄራዊ ስምረት ብምፍጣር ዝተመረፀ ሉኣላዊ መንግስቲ ትግራይ ምምስራት ዋና ዕላማ እዚ ኪዳን ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
ንዅሉ ትግራዋይ ዝሓቁፍ፣ ህዝባዊ ቅቡልነትን ኣመኔታን ዝፈጥር፣ ብተግባር ክሰርሕ ዝኽእልን ናይ ምድርዳርን ምትግባርን ዓቕሚ ዝወነነን ቤት ምኽሪን ካቢኔን ዘለዎ ድልዱል ግዝያዊ ምምሕዳር ምትካል እውን ተወሳኺ ዕላማ እዚ ኪዳን ከም ዝኾነ ዶክተር ደጀን ተዛሪቦም።
ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ክምለስ፣ ወረርቲ ሓይሊታት ካብ ግዝኣት ትግራይ ክወፅኡ፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን ካልኦት ፀገማት ትግራይ ክፍትሑን ብሓባር ከም ዝቃለሱ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።
ናፅነት፣ ባይቶናን ዓረና ትግራይ ንዴሞክራሲን ሉኣላውነትን ነቲ ኪዳን ዝመስረታ ውድባት ትግራይ እንትኾና፣ ካልኦት ኣካላት እውን ክሳተፉን ክካተቱን ፃውዒት ቐሪቡ።
ኣብቲ መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰለስቲአን ውድባት ዝተረኸቡ እንትኾን፣ ስነ ስርዓት ምፍርራም ሰነድ ስምምዕ ተኻይዱ።