ካብ ንእሽቶ ገጠር ንኢንተርናሽናል ሞዴል ዝበቕዐት ዕውትቲ፡ ራሄል ዘመን፡

ካብ ሑመራ ኣስታት 110 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ዳንሻ ዝተባህለ ንእሽቶ ገጠር ካብ ሓረስቶት ስድራቤት ተወሊዳ። ኣብኡ ድማ ካብ መባእታ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ተማሂራ። ከም ጓል ሓረስታይ እግሪ እግሪ ኣቦኣ እናኸደት ጻህያይ ክትጽሂ፡ ክትጉልጕል ክትሓርስን ብዘይካኡ እውን መንገዲ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ብምኻድ ዓየይቲ ተዋፍር ህርኩትቲ መንእሰይ እያ ነይራ።

ስራሕ ሕርሻ ትፈትዎ፣ ኣብ ትሕቲ ስድራቤታ ኸኣ ካብኣ ዝድለ ሓገዝ ኣብ ምብርካት ንጥፍቲ’ኳ እንተነበረት፡ እናዓበየት ክትከይድ እንከላ ግን እቲ ኣብ ውሽጣ ክበጽሖ ኣለኒ ኢላ ዝሓለነቶ፡ ካብኡ ዝተፈልየ ብምንባሩ ናብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ከተምርሕ ኣንቀደት።

ወለዳ ሽሕ’ኳ እንተዘይተማህሩ ንትምህርቲ ዓቢ ቦታ ዝህቡን ደቆም ኣብ ትምህርቲ ጸቒጦም ክሰርሑን ዘተባባዑን እዮም። እዚ ድማ ኣብ ኣካዳምያዊ ትምህርታ ጸብለል ዝበለት ተምሃሪት ክትከውን ሓጊዝዋ። ሓደ ሓደ እዋን እውን ስራሕ ኣብ ዝጽዕቀሉ ንወላዲኣ ክትሕግዝ ኣብ ዓጺድ ብምሕዳር ናብ ትምህርታ ተምርሓሉ እዋናት’ኳ እንተነበረ ንክልቲኡ ብዝግባእ ከተጣምሮ ከምዝነበረት ትገልጽ።

ነቲ ዝመረጸቶ ጐደና ሂወት ንኽትፍልም ናብ ባህርዳር ብምቕናዕ ዓውዲ ቱሪዝም ክትምሃር ጀመረት። ይዅን እምበር በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሓደ ዓመት ድሕሪ ምምሃራ ዕግርግር ስለዝተፈጥረ ናብ ዓዳ ተመልሰት።

እቲ ራእየይ ክፍጽመሉ የኽእለኒ እዩ ዝበለቶ ጐደና ብዝነበረ ናዕቢ ምስተኾልፈ “ብርግጽ ከቢድ እዩ ነይሩ፡ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ክነስና ብኸምዚ ፖለቲካዊ ፍልልይ ኣብ ከምኡ ክንወድቕ ዘሕፍር እዩ፡” ድሕሪ ብምባል “ንዓደይ ምስ ተመለስኩ እውን ካብ ጸቕጥን ክብደቱን እተላዐለ ንሓንቲ መዓልቲ እውን ተስፋ ቈሪጸ ትምህርተይ ጠንጢነዮ ክኸይድ እየ ዝበልኩላ መዓልቲ የለን፡” ክትብል ትገልጽ። ሰላም ኰይኑ ኵሉ ነገር ኣብ ቦታኡ ምስ ተመልሰ ግን ክቕጽል እየ ኢላ ብተስፋ ድሕሪ ምጽባይ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ተመሊሳ ትምህርታ ከምዝዛዘመት ተዕልል።

ራሄል ድሕሪ ምምራቓ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዳ ኣብኡ ስራሕ ከተናዲ ጀመረት። ሓዀትኮት በሃሊትን ጻዕራምን ብምዃና ጐድኒ ጐድኒ ትምህርታ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታትን ጽንብላትን ኣብ ምድላው ትሰርሕ ነይራ፤ ንዕኡ እናቐጸለት ድማ በቲ ዝተማህረትሉ ዓውዲ ቱሪዝም ክትቍጸር ፈቲና፣ ግን ኣይሰልጣን።

“ምስቲ ዝነበረ ኵነታት ዓድና በቲ ዝተምሃርኩሉ ስራሕ ክረክብ ኣይክኣልኩን፤ ድሕሪ’ዚ ገለ ገለ ናይ መሸጣ ስርሓትን ጠቕሊሉ ምስቲ ዝተማህርኩሉ ዓውዲ ዘይራኸብ ስርሓትን ክሰርሕ ጀሚረ፡” ትብል።

ራሄል ዘመን ካብ ህጻንነታ ሰእሊ ምስኣል ኣዝያ ትፈቱ ብምንባራ ሓደ መዓልቲ፡ ሓንቲ ካብ ከባቢ ሑመራ ዝመጸት ሞዴል ኣብቲ ቤት ሰእሊ ንውድድር ዝዀና ስእሊ ክትስኣል ረኣየት እሞ …. እዋይ ሓደ መዓልትስ ኣነ ከምዚ ዓይነት ውድድር እንተዘካይድ ዝብል ውሽጣዊ ድሌት ካብ ሽዑ ጀሚሩ ከምዝተሰምዓ ትዘንቱ።

ይዅን እምበር ምሉእ ሓይላ ኣብ ትምህርቲ ስለዘድሃበት ተቐቢሩ እዩ ነይሩ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ባህርዳር ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ግን መሓዙታን ደቂ ገዛኣን ‘እዚ ጽቡቕ ተኽለ ሰብነትኪን ቅርጽኺን እኳ ኣብ ውድድር ቍንጅና እንተትኣትዊ ምተዓወትኪ፣ ስለምንታይ ዘይትፍትኒ፣ ዝብል ርእይቶን ሓሳባትን ነቲ ኣብ ውሽጣ ፈኸም ዝብል ዝነብረ ድሌታት ከሳውሮ ጀመረ፣ ንሳውን ንውሽጣዊ ድሌታ ሰሚዓ ትምህርቲ ሞዴሊን ጀመረት።

እናፈተወቶ ስለዝኸደት ድማ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ቀጺላቶ።

ፈላማ ኣብ ስርሓት መወዓውዒ፡ ክዳውንቲ ዲዛይነራት ኣብ ብምፍላጥ፡ ዝተፈላልየ ፍርያት ብምልልላይ፡ ኣብ መድረኻት ምርኢት ፋሽን ብምውድዳርን ክሳብ ብደራጃ ኣህጉር 3 ዓይነት ሽልማታት ክትዓትር በቒዓ።

Miss supper model world wide Africa፣ Miss supper model internet popular ከምኡ’ውን Miss supper model photogenic ዝብሉ ዘውዲታት ብምድፋእ ገንዘብን መዳልያን ተሸሊማ።

ኵሉ ዓወት ጻዕርን ዓቕልን ዝሓትት ብምዃኑ፡ ገና ክትጅምር እንከላ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣቐባሊት ዕንበባ ኰይና ከም ዝጀመረቶን ቀስ ብቐስ ኣብቶም ኣለዉ ዝበሃሉ መድረኻት ቍንጅና ኢትዮጵያ ክትሳተፍን ተቐባልነት እናረኸበት ምስ መጸት እውን ብደረጃ ኣህጉር ክትሳተፍን ምኽኣላን ትዛረብ።

ነተን ኵለን ዘይብጻሕ ዝመስለን ብፍላይ ድማ ኣብ ጫፍ ገጠራት ዝነብራ ተመሳሳሊ ድሌት ዘለወን ደቀንስትዮ ድማ፡ “ብኣይ ምኽንያት ኢትዮጵያ ሰለስተ መዳልያታት ረኺባ። ክሰርሕ እኽእል እየ ኢልካ ዕላማኻ እነጺርካ ዝዀነት ጓል ኣንስተይቲ ክትበጽሖን ክትዕወተሉ እትኽእልን ዓውዲ እዩ፡” ብምባል ተተባብዐን።

ጸኒሓ እውን ፊው ሞደልስ ምስ ዝተባህለ ትካል ናይጀርያ ብምውዕዓል ንገለ ግዜ ድሕሪ ምስራሕ፡ ሎሚ ብናይ ገዛእ ርእሳን ብመንገዲ ማናጀራን ኣቢላ ስርሓታ እናኣዋዓወዐት ትነጥፍ ኣላ።

“ውሽጣዊ ጽባቐ ብዓይኒ ዘይርአ ግን ድማ ብባህሪ ዝግለጽ እዩ። እዚ ማለት ጠባይ ሓደ ሰብ፡ ተግባሩ፡ ለውሃቱ፡ ሃቕናኡን ዝሓቘፈ ስለዝዀነ ደጋዊ ጽባቐ ንበይኑ ጥቕሚ የብሉን ኢለ እየ ዝሓስብ። ደጋዊ ጽባቐ ብዘይ ውሽጣዊ ጽባቐ ክኸውን ኣይክእልን።”

ጽብቕቲ እትበሃል ጓል ኣንስተይቲ ነዚ ክልቲኡ ክትውንን ክትክእል ከምዘለዋ ተረዲአ።

ፈለማ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ክትመጽእ እንከላ ክሳብ ትለምዶ ርእሱ ዝኸኣለ ብድሆታት ክህልዎ ባህርያዊ እዩ። “ብዙሕ ዋውው ..ብምባል ዝድነቕ፣ ቀልጢፈ ዝሓርቕን ዝሕጐስን ሰብ ኣይኰንኩን። ንኽብድ ዝበሉ ዝገጥሙኒ ብዙሓት ነገራት ብስቕታን ምስትውዓልን እ. …ከም ጉግል ዝኣመሰሉ ማእከል ሓበሬታ ብምውካስ፡ ዳርጋ ቀልጢፈ እየ ለሚደዮ። ሰባት ኣብ ገዛእ ርእሶም ብምትእምማን ዕላማ ሒዞም ለውጢ ካብ ውሽጥኻ ክም ዝጅምር ክሓስቡን በዚ ድማ ኣብ ዝደለይዎ ክበጽሑ ከም ዝኽእሉን ክርድኡ እደሊ፡” ትብል።

ራሄል፡ ኣህጉራዊ ውድድራት ብዘይ ዝዀነ ይዅን መንግስታዊ ሓገዝ፡ ንጕዕዞን ጻዕሪን ተወዳደርቲ ከም ዘኽብዶ ትጠቅስ።

‘ኣነ ን ኢትዮጵያ ወኪለ ክወዳደር እንከለኹ ምስ 40 ሃገራት እየ ተወዳዲረ። ይዅን እምበር ካብ መሓዙተይን ስድራይን ወጻኢ ዝሓገዘኒ የለን። እተን መወዳድርተይ ግን ናሽናል ማናጀረን፣ ሜክኣፕ ኣርቲስተን ወለደንን ኣብ ጥቓአን ነይሮም፤ ኣነ ግን በይነይ እየ ነይረ። ከም ናተን ድጋፍ እንተዝህልወንን መንግስቲ እንተዝሕግዘንን ካብቲ ዘምጻእክዎ ንላዕሊ ውጽኢት መምጻኹ፡” ብምባል እቲ ኣብ ዓውዲ ቍንጅና ዘሎ ኣተሓሳስባ ንኽቕየር ትምህርቲታትን ጐስጓሳትን ብምግባርን፡ ባይታ ኣብ ምፍጣርን መንግስቲ ግቡኡ ክገብር ትጽውዕ።

ኵነታት ሓዳር እንትትሕተት እናሰሓቀት “ክሳብ ሕጂ ሓላፍነት ስድራን ሃገርን ስለዘሎ ኣብ ስራሕ እየ። ወለደይ ድማ ከም ኣሕዋተይን ኣዕሩኽተይን ስለዝዀኑ ይርዱኡኒ እዮም። ግን ዝዀነ ሰብ ዕውት ክበሃል እንተዀይኑ እቲ ዘይተርፍ ሕቶ ሓዳር ምስ ዘማልእ ስለዝዀነ ኣብቲ ኣምላኽ ዝፈቐኦ ግዜ ሓዳር ክገብር እየ፤ ንሕጂ ግን ኣብ ስራሕ ኣተኲረ ክዓዩ መሪጽ ኣለኹ፡” ክትብል እያ መሊሳ – ራሄል።

“ኣብዚ ሞያዚ ናይ ባዕለይ ዝዀነ ኣሻራ ኣቐሚጠ ክሓልፍ’የ ዝደሊ፤ ትምህርተይ እውን ብዝተፈልየ ዓውዲ ማስተርስ ክቕጽል እየ። ብዘይካኡ ኣብ ቀረብ ሰነ ጽባቐ፡ ቅዲ ክዳንን፡ ስርሓት ግብረሰናይ እውን መደባት ኣሎኒ።”

ኣብ መወዳእታ ራሄል ነተን ዓቕሚ እንከለወን ክወጻን ኣብ ሕልምታተን ክነብራን ዘይከኣላ ደቀንስትዮ “ክወጻ እንተዝኽእላ ጽቡቕ ነይሩ፤ እዚ ዓውዲ እዚ ክሳብ ሕጂ ብኸምቲ ዝግብኦ ኣይተተንከፈን ፡ ብምባል፡ በዚ ሞያ እዚ ብግቡእ እንተሰሪሐን ድማ ንገዛእ ርእሰን ንወለደን ንዓደንን ክዀናሉ ዘይክእላ ምኽንያት ከምዘየለ ገሊጻ፡ ንኻልኦት ተተባብዕ።

“ብፍላይ ኣብዚ ከባቢና ዳርጋ ኵላትና ደቂንስትዮ ቈናጁ ኢና ክንብል ንኽእል፣ ስለዚ ነዚ ጸጋና ተጠቒምና ዓድና ባህልና ነፋልጥ፡” ኢላ ብምቕማጥ፡ ምስ ባህልና ክኸብድ ዝኸእል’ኳ እንተዀነ ንማሕበረሰብና በቲ ክርድኦ ዝኸእል እናኣረዳእና ዓድና ባህልና ከነፋልጥ እንከለና፡ ባህሉን ጽቡቕ ሃገሩን ክላለየሉ ዘይደሊ ሰብ ስለ ዘየለ፡ ወለድና በዚ ክሕጐሱ ይኽእሉ፤ ከምኡ ኢሉ ድማ፡ ነዚ ሞያ ደገፍን ምትብባዕን ክገብሩሉ ከም ዝድርኾም ብምትእምማን ዕላላ ትድምድም።
ካብ ቢቢሲ ትግርኛ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *