ቢንያም ሙሩፅ ይፍጠር ኣፍቲ ሎምዓንቲ ዝተሰላሰለ ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንፈፃሚ ስራሕ እቲ ፌደሬሽን ካብ ሞንጎ ዝተነሓንሑ ኣካላት እቲ ዝለዓለ ድምፂ ብምርካብ’ዩ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ኮይኑ ተሓርዩ።
ንፕረዚዳንትነት እቲ ፌደሬሽን ዝተነሓነሐ ኣትሌት ገ/ሔር ገ/ማርያም ሑፁይ ኮይኑ ቀሪቡ’ኳ እንተነበረ ኣይቀንዖን። ኣትሌት ስለሺ ስሂን ፕረዚደንት ኮይኑ ተሓርዩ።
እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ኣብ ሃገረ ፓሪስ ኣብ ዝተሰላሰለ ኦሎምፒክ ብዘመዝገበቶ ድኹም ውፅኢት ብፍላይ ክኣ ኣብ ኣትሌታት ፍረወይንን ካልኦትን ቁሉዕን ዘይርትዓውን በደል ክፍፀም ዝገበረትን ንቲ ፌደሬሽን ብፕረዚዳንትነት ክትመርሖ ዝፀንሐት ኣትሌት ኮማንደር ደራርትቱሉ ብዕሊ ይቕረታ ሓቲታትሉ’ላ።
“ኣነ ካብ መዝነተይ ክወርድ ዝወሰንኩ ገና ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ እንዳሃለኹ’የ። ንዝተፈጠረ ኩሉ ፀገም ይቕረታ ክሓትት ስለዝግባእ ይቕረታ ግበሩለይ።” ክትብል ገሊፃላ።