ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ተካይዶ ቴሌቶን “ተስፋ ሕውየት” እጃሞም ከምዘወፍዩ ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን ዝርከቡ ወነንቲ 31 ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ቃል ኣትዮም።
እቶም ካብ 31 ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተውፃእፅኡ ወነንቲ ኣፀደ ህፃናት፣ ቀዳማይን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ምስ ኣመራርሓ ማሕበር ልምዓት ትግራይ 3 ጥሪ 2017 ዓ/ም ኣብ ዝሳለጥ ዓለምለኻዊ ቴሌቶን “ተስፋ ሕውየት” ንምስታፍ ብዛዕባ ዝህልዎም ኣበርክቶ ኣመልኪቱ ምስ ኣመራርሓ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ዘካየድዎ ሓበራዊ ዘተ ትምህርቲ ጉዳይ ህልውና ዓድን ህዝብን ከም ምዃኑ መጠን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንህንፀት 12 ኣሕዳሪ ዘይኮና ፍሉያት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝኸውን ሃፍቲ ንምትእኽካብ ኣብ እተካይዶ ቴሌቶን ሓገዝ ከምዝገብሩ ቃል ኣትዮም
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ ካልኦት ትካላት ፍልይ ብዝበለ ንኹሎም ግንባራት ልምዓት ጠሚሩ ኣብ ዝኸይድ ዓውዲ ትምህርቲ ልዑል ቆላሕታ ሂባ እናሰርሐት ብምምፅኣ ኣብ ህንፀት ሰብኣዊ ዓቕሚ ታሪክ ዘይርስዖ ገድሊ እናፈፀመት ፈፂማ እያ፤ ሐዚ ‘ውን መፃኢና ኣብ ድልዱል ሰረት ኣብ ምንባር ዓብይ ዓቕሚ ክኾና ዝኽእላን ብሰንኪ ዘጋጠመ መፅነዋይ ኩይናት ህንፀተን ጠጠው ዝበላ 12 ፍሉያት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ህንፀተን ንምዝዛም ዓሊማ ኣብ እተካይዶ ቴሌቶን ማልት ብዓቕምኻ ምስታፍ ንፅባሕ ዘይብሃል ውራይ ኩሉ ስለዝኾነ ኩሉ እጃሙ ከወፊ ይግባእ ኢሎም።
ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገብርእግዚኣብሄር፤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ህዝብና ኣብዚ እዋን ብብርክት ዝበሉ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ተሃስዩ ኣብ ዘዘሉ ፈታኒ እዋን ‘ውን እንተኾነ መፃኢና ርሁው ዝኸውን ግና ኣብ ወሰንት መፃኢኡ ኣብ ዝበረኹን ናይ ሓባር ፕሮጀክታት ብሕብረት ሰሪሕኻ ካብ ምውፃእ ንላዕሊ ካልእ መማረፂ የለን ዝብል ተሳጋራይ ዕላማ ብምብጋስ ህንፀተን ጠጠው ዝበላ 12 ፍሉያት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ንምዝዛም ዘእክል ቴሌቶን ንምክያድ ከምዝተተለምን እዚ ድማ ብሕብረት ኩሉ ትግራዋይ ከምዝውገንን ዘለዎም እምነት ገሊፆም።
***
ማሕበር ልምዓት ትግራይ 3 ጥሪ 2017 ዓ/ም ዓለምለኻዊ ቴሌቶን ክተሳልጥ እያ።