ፕሮግራም ሴፍቲኔት፥ ኣብ ክልል ትግራይ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃሙ ንኽዋፃእ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ፡
መተሓባበሪ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔትን ውሕስና ምግቢን ኣይተ መሓሪ ሕሸ ቀንዲ ጠመተ እቲ ፕሮግራም ዓቕሚ ዘይብሎም ወገናት ከም ስራሕቲ ልምዓት ዕቃባ ሓመድን ማይን ኣብ ዝበሉ ልምዓት ሕብረተሰብ ዝንቀሳቐሱሉ ሓገዝ ብምግባር ውሕስና ምግቢ ከረጋግፁ ምግባር ኢዩ ኢሎም ፡፡
ኣብዚ ዓመት ከም ክልል ንፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት 7 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር በጀት ተሰሊዑ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ተዛሪቦም፡፡
ከም ክልል በቢወርሑ 120 ሚሊየን ብር ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ንዝንቀሳቐሱ ክፋላት ሕብረተሰብ እናተኸፋፈለ ከምዝርከብ እውን ገሊፆም፡፡
ዳይሬክተር ልምዓት ሆርቲካልቸር እቲ ቢሮ ኣይተ ሃይለ ታደለ ብግደኦም፥ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ መስኖ ዕዙዝ ግደ ኣለዎ ኢሎም።
ኣብቲ ክልል 228 ሺሕን 906 ሓረስቶት ኣብ ልምዓት መስኖ ተረባሕቲ ክኾኑ ብምግባር ብምግቢ ርእሶም ዝኽእሉሉ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ኣብሪሆም።
ስለዝኾነ ተበግስኡ ንምጥንኻርን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ዝግበር ፃዕሪ ንምዕዋት፥ ሓገዝ ዘበናዊ ቴክኖሎጂን እታወታትን ክግበረሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።