ዕማም ግዝያዊ ምምሕዳር ተመዛበልቲ ምምላስ እዩ ፕረዚደንት ታደሰ

ቀንዲ ዕማም ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ከቢድ ናብራ ዝርከብ ተመዛበልቲ ወገናትና ምምላስ እዩ ክብሉ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም

ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ከምዝሓበሮ ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ሎሚ 16 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ላዕለዋይ ሓላፊ ኮሚቴ ምክትታል፣ ምርግጋፅን ምኽባርን ስምምዕ ፕሪቶርያ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኖም ንዝተመደቡ ሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣክሶዴ ኣብ ፅሕፈት ቤቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም ።

ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ከቢድ ናብራ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ናይ ምምላስ ጉዳይ ቀዳማይ ዕማም ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምዃኑ እውን ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ኣተሓሕዞም ኣብ ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ኣፈፃፅማ ምስንባትን ዳግም ናብ ሕብረተሰብ ምጽንባርን ሰራዊት ብሓፈሻ ኣብ ኣፈፃፅማ ውዕል ፕሪቶሪያ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምቅርራብ ከምዝስራሕ ምግላፆም እቲ ሓበሬታ የመላኽት ።

ብሓደ ሓደ ኣካላት ዳግማይ ኲናት ክለዓል እዩ ዝብል ስግኣታት ከምዝስማዕ ዝገለፁ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ትግራይ ናብ ዳግማይ ኲናት ትኣትወሉ ምኽንያት ከምዘይህሉ እውን ኣብሪሆም ።

ትግራይ ንዝኾነ ይኹን ኣካል ደጊፋ ደው ትብለሉ ምኽንያት ከምዘየለ ዝሓበሩ እቶም ፕረዚደንት፣ ትግራይ ካብ ደጊም ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ድኣ እምበር ናብ ኲናት ንኸይትኣቱ ብዕቱብ ከምዝሰርሕ እውን ምግላፆም እውን ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ሓቢሩ ኣሎ ።

ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ሕብረት ኣፍሪካ ይኹን ኩሎም መዳርግቲ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ንሙሉእ ትግባረ እቲ ውዕሊ ዝግበኦም ኩሉ ንኽሰርሑ ዝፀውዑ ፕረዚደንት ታደሰ፣ ምስ መሪሕነት ኮሚቴ ምክትታል፣ ምርግጋፅን ምኽባርን ስምምዕ ፕሪቶርያ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪካ ብሓባር ንምስራሕ ዘለዎም ቁሩብነት ወሲኾም ገሊፆም።

እቶም ላዕለዋይ ሓላፊ ብወገኖም ኣብ ዙሪያ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ፣ ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ኣፈፃፅማ ከይዲ DDR ንምዝርራብ ከምዝመፁ ብምሕባር ንሙሉእ ተፈፃምነት ውዕል ፕሪቶሪያ ዝከኣሎም ከምዝሰርሑ ገሊፆም ክብል ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ሓቢሩ ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *