ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ መዋእላ ሪኢያቶ ዘይትፈልጥ ታሪኽ ኣመዝጊባ ።
እቲ ታሪኽ ኣብ ሓደ መዓልቲ 1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ብር ንምእካብ ዓሊማ ኣብ ዘሳለጠቶ ዓለምለኸ ቴሌቶን ልዕሊ 710 ሚልዮን ብር ብቃል ከምኡ’ውን ናብ ሒሳብ ባንኪ ቁፅሪ እታ ማሕበር ኣታዊ ኮይኑ እዩ።
ማሕበር ልምዓት ትግራይ 17 ጥሪ 2017 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ዘካየደቶ ዓለምለኸ ቴሌቶን ተስፋ ሕውየት ህዝቢ ትግራይ ብምልኣት ዝተሳተፈሉን ዕውት ምንባሩን ፈፃሚ ዳይሬክተር እታ ማሕበር ኣይተ ተሰፋይ ገብረእግዚኣብሄር ገሊፆም።
እቲ 1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ብር ንምእካብ ዓሊሙ ዝተሳለጠ ቴሌቶን ዛጊድ ልዕሊ 710 ሚልዮን ብር ብቃል ከምኡ’ውን ናብ ሒሳብ ባንኪ ቁፅሪ ማሕበር ኣትዩ ኣሎ ዝበሉ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄር እቲ ቴሌቶን በዚ ዘብቅዕ ዘይኮነስ ክቕፅል እዩ ድሕሪ ምባል እቲ ነባር ኮሚቴ ብኣካል እናኸደ እቲ ቃል ዝተኣተወ መጠን ገንዘብ ንምእካብ ዘኽእል ምድላው ይግበር ኣሎ ኢሎም።
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ቴሌቶን ንምክያድ ዝደለየትሉ ቀንዲ ዕላማ ህንፀተን ተጀሚረን ጠጠው ዝበላ ኣሕዳሪ ዘይኮና ፍሉያት ምዝዛም ስለዝነበረ በቲ ዝተኣኸበ ሃፍቲ ስራሕቲ ህንፀት ከምእትጅምር ዝሓበሩ ኣይተ ተስፋይ ካብ ፍርቂ ለካቲት 2017 ዓ/ም ኣብ ኩለን ከተማታትን ካብ ናይ ውሽጢ ህዝብና ከምኡ’ውን ኣብ ወፃኢ ዓዲ እቶት ንምእካብ ዘኽእሉ ወሰንቲ ቴሌቶን ንምክያድ ተተሊሙ ከምዘሎ ኣይተ ተስፋይ ወሲኾም ገሊፆም።
ማልት፤ ኣብ መዋእላ ኣብ ሓደ ዓመት ኣስታት ሓደ ቢልዮን ብር ንምርካብ ዘኽእል ስራሕቲ ከምዝሰርሐት ዝፍለጥ እንትኾን ብቴሌቶን ሃፍቲ ንምእካብ ብዝገበረቶ ስራሕቲ ግና ኣብ ሓደ መዓልቲ ፍርቂ ቢልዮን ብር በፂሑ ኣይፈልጥን።