“ይኣክል” ህወሓት

ኣቦ ወንበር ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብፃይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ካብ ተወከልቲ ሰልፊ ይኣክል ደምዳሚ መግለፂ ተቐቢሎም ምስ ተወከልቲ ተመያይጦም።

ተወከልቲ እቲ ሰልፊ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ወገናትና ዝገጥሞም ዘሎ ሓሳረ መከራን ነዚ ንምፍታሕ መሪሕነት ትግራይ ነቲ ኣጀንዳ ቀዳምነት ሂቡ ኣብ ምስራሕ ዘለው ፀገማትን መሰረት ጌሮም ሓሳቦም ዘቕረቡ ኮይኖም ዶ/ር ደብረፅዮን እቲ ፀገም ከምዘሎ ብምግላፅ ከም ውድብ ጉዳይ ተመዛበልትን ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ዝርከብ ህዝብናን ኣብ ዘካይዶም መድረኻት፣ መግለፅታቱ፣ ኣብ ፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ኮነ ምስ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ዝገብሮ ዝርርብ ቀንዲ ኣጀንድኡ ጌሩ እናተቓለሰሉ ከምዝፀንሐ ገሊፆም።

ውድብ ህወሓት ሕዚ እውን ስምምዕ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ተተግቢሩ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ዝርከብ ህዝብና ሓራ ክወፅእ፣ ተመዛበልትን ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ዘለውን ወገናትና ናብ መረበቶም ክምለሱን ልኣላዊ ምምሕዳር ትግራይ ክምለስን ቃልሱ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

ውድብ ህወሓት ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምሉእን ተተግቢሩ ስቓይ ወገናትና ከብቅዕ ቀዳምነት ሂቡ ከምዝሰርሕ ዝገለፁ ዶ/ር ደብረፅዮን ፈፃሚ ስራሕ ውድብና ነቲ ደምዳሚ መግለፂ ብዝርዝር ሪኡ ግብረመልሲ ከምዝህብ ገሊፆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *