ደገፍ ትእምት

ቤት ፅሕፈት ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ትእምት ልዕሊ 6.5 ሚልዮን ብር ደገፍ ገይሩ ።

ቤት ፅሕፈት ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ንዝርከቡ ኣባላት ማሕበር ተጋደልትን ኣባላት ማሕበር ጉዱኣት ኲናትን ትግራይ ንመውዓሊ በዓል ትንሳኤ ዝኸውን ልዕሊ 6.5 ሚልዮን ብር ደገፍ ገይሩ።

ካብዚ እቲ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ብር ንተመዛበልቲ ኣባላት ማሕበር ተጋደልቲ ዝተውሃበ እንትኾን እቲ ልዕሊ 5 ሚልዮን ብር ድማ ንኣባላት ማሕበር ጉዱኣት ኩናት ትግራይ ዝተሓገዘ እዩ።

ቤት ፅሕፈት ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ትእምት ቅድም ክብል እውን ንኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይ 90 ሚልዮን፣ ንቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይን እግሪ ምትካልን ሓደ ሚልዮን፣ ንማሕበር ደቂ ስውኣት ትግራይ ሓደ ሚልዮን፣ ንማሕበር ተጋደልቲ ትግራይ ክልተ ሚልዮን ከምኡ’ውን ንማሕበር ጉዱኣት ኩናት ትግራይ ክልተ ሚልዮን ብድማር 96 ሚልዮን ብር ደገፍ ከም ዝገበረ ይዝከር ክብል ኮምዩኒኬሽን ትእምት ሓቢሩ ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *