በዓል ሃፍቲ ዝነበረ ኣይተ ኪዳነ ገ/ሚካኤል ብሰንኪ ጆኖሳይድ ትግራይ ሸሞንተ ርእሱ ካብ መረበቱ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሉ ብተደራራቢ ሕማማት እናተሳቀየ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ሓሊፉ።
ሐዚ እውን ኣይተ ኪዳነን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢን ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ተመዛቢሉን ተፈናቂሉን ከቢድ ዓፀቦ ዘሕልፍ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ “ይኣክል” ይብል ኣሎ።
እዚ ፀገም ክፍታሕን ብቅልጡፍ ናብ መረበቶም ክምለሱን ማሕበረሰብ ዓለም “ድምፅና ይሰማዕ” ይብሉ ።