ኣስገደ ፅምብላ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣለኹ።
ምስ ሓደ ተጋዳላይ ወላዲ ወግዒ ጀሚርና። ሓደ ታሪኽ ነገሩኒ።
እቲ ታሪኽ ኣብ 1970 መወዳእታት – 1980 መፈለምታ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ሓደ ክፍሊ ህዝቢ ነበርቲ እንዳባጉና ኣኪቡ ዝተዛረቦ እዩ።
“እንዳባጉና ንምንባርን ንስራሕን ትጥዕም ከምኡ እዉን ሰሓቢት ከተማ ክትኾን ነበርቲ መፋስስ ገዛዉትኹም ሽላ እንትነፍር ዝመስል ንየማንን ፀገምን መፋስስ ዘለዎ ብቆርቆሮ ገይርኹም ስርሑ” ኢሉ ተዛረበ
ሓደ ነባሪ “እቲ ሓሳብ ፅቡቕ እዩ። “ኢሉ እቲ ኣቦ ወንበር ዝተዛረቦን ካልኦትን ረብሓታት ብቆርቆሮ ዝተሰርሑ ገዛዉታ ተዛረበ። ኣብ መወዳእታ ግን “ህወሓት ብቆርቆሮ ገይርኹም ገዛ ስርሑ ትብል ዘላ ቆርቆሮ ኣዳሊያ ድያ? ክትዕድለና ድያ?” ኢሉ ሓተተ
እቲ ኣቦ ወንበር ምንባብን ምፅሓፍን ኣይኽእልን ነበረ። ነቲ ኣብ ጎድኑ ዘሎ ምክትሉ “ኣብቲ ኣጀንዳ ዉድብና ብዛዕባ ቆርቆሮ እንታይ በለት” በሎ
እቲ ምክትል ወረቓቕቲ ገናፂሉ ኣንቢቡ ። “ቆርቆሮ ሓገዝ ዝምልከት ሓበሬታ የለን።”ኢሉ መለሰሉ
እቲ ኣቦ ወንበር ነቲ ምክትሉ እናረኣየ “ደሓን” በለ ነቲ ዝኣከቦም ነበርቲ ከተማ እንዳባጉና ድማ “ዉድብና ዝኾነ ነገር ከይሓዘት መማረፂ ሓሳብ ኣይምፀትን። ሐዚ ዝኸኣለ ይስራሕ። “በለ
ሽዑ ኣዝዩ ሕዲተይ ህዝቢ ። ዉሑዳት ገዛዉቲ ። ሓንቲ ካብ ሽረ እንዳስላሰ ናብ ጎንደር ዝወስድ ኮሮንኮች መንገዲ እዩ ነይሩ።
ሐዚ ድማ ኣስፋልት፤ ዘመናዊ ደብርታት፤ ዉሽጣ ውሽጢ መንገዲ፤ 24 ሰዓት መብራህቲ ፤ ፅሩይ ማይ፣ ኣብያተ ትምህርቲ ተሰሪሑ ግልጋሎት እናሃበ እዩ። ሐዚ ኣብዚ ዓመት በቲ ከተማ ዘቋርፅ ሩባ ብዘመናዊ መንገዲ መእለይ ዉሑጅ ይስራሕ ኣሎ። ብሓፂሩ እንዳባጉና ከቲማ እያ። ንጆኖሳይድ ኲናት ትግራይ ኢዳ ኣይሃበትን። ትለምዕ ኣላ።
እቲ ኣቦ ወንበር ዝበሎ “ዉድብና ህወሓት ዝኾነ ነገር ከይሓዘት መማረፂ ሓሳብ ኣይምፀትን። ሐዚ ዝኸኣለ ይስራሕ። ” ዝበሎ ሓቂ እዩ። እንዳባጉና ብቆሮቆሮ ዝተሰርሐ ገዛ ሓሊፋ ዝተፈላለዩ ደብርታት (ህንፃታት) ብበዝሒ ኣለዉ እዮም።
እቶም ወላዲ ዘረብኦም ቀፀሉ። “‘ህወሓት “ሐዚ እዉን መስመርና እዩ ሓይልና ። ህዝቢ እዩ ሓይልና።’ኢላ ነዊሕ ጠሚታ እያ ትንቀሳቐስ ዘላ። ከምቲ ኣቦ ወንበር ዝበሎ ሐዚ እዉን እመነኒ ‘ ህወሓት ዝኾነ ነገር ከይሓዘት መማረፂ ሓሳብ ኣይምፀትን። ሐዚ ዝኸኣለ ይስራሕ። ኣብ ጎድና ይዕሰል።” በሉኒ።