ኣብ ከተማ መቐለ ንኣስታት 1026 ጉድኣት ኩናት ትግራይ ንመንበሪ ዝውዕል 140 ካሬ መሬት ምውፃእ ዕፃ ተካይዱ። ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ ኩናት ጥራሕ ጀጋኑ ንኾነሉ ምዕራፍ ኣብቒዑ ኣብ ልምዓትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስን ግዛእታዊ ሓድነት ትግራይ ምርግጋፅን ብትኩረት ከም ዝስራሕ ገሊፆም።
ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ጉድኣት ኩናት ትግራይ ኩሎም መንበሪ ገዛ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕልፊይ ከምዝግበኦም ድማ ሓቢሮም።
ኣብ ከተማ መቐለ 1026 ጉድኣት ኩናት ነፍሲ ወከፎም 140 ካሬ መሬት ከም ዝተዓደሉ ኣካያዲ ስራሕ ኣጠቃቅማን ምሕደራን መሬት ከተማ መቐለ ኣይተ ገ/ሚካኤል እኑን ኣፍሊጦም።
ዋና ስራሕ ኣካየዲ ስራሕ ማሕበር ጉድኣት ኩናት ትግራይ ኣይተ ጨርቖስ ወ/ማርያም ብወገኖም ንዘመናት ብሰንኪ ክራይ ገዛ ዝነበረኩም ፀገም ተቀሪፉ ካብ ሐዚ ንድሓር ገዛ ክራይ ወጊድ ዝብሃለሉ እዩ ኢሎም ።
ኣይተ ጨርቖስ ወሲኾም መንግስቲ ንዝገበሮ ኩለመዳይ ድጋፍ ብምምስጋን ቀፃሊ በዚ መልክዑ ክስራሕን መንግስቲ ሓገዙ ከጠናክር ፀዊዖም።
ተጠቀምቲ እቲ ዕድል ብወገኖም ነቲ ዝተገረ ዕደላ ብምምስጋን ኣብ መዓልኡ ከም ዘውዕሉዎን ንካልእት እውን ተጠቀምቲ ዝኮንሉ ዕድል ክፈጥር ፀውዖም