“ግምት ትካላዊ ነፃነቱ ሓልዩ ክሰርሕ እዩ” ህወሓት

” ግዝያዊ ምምሕዳር ትካላዊ ነፃነቱ ሓልዩ ተደጋጊፍና ግቡእና ብምፍፃም ናብቲ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ዝብህጎ ምኽባር ልኣላውነትና ቀልጢፍና ከምንኣቱ ይተኣማመን “

                   ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ነዚ ዝበሉ ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብ ህወሓት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኖም ስርሖም ንዝጀመሩ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዘዳለዎ ናይ ሰናይ ትምኒት መድረኽ እዩ ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተልእኾታቱ ንምፍፃም ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ህወሓት ከም ኣካል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትካላዊ ነፃነቱ ሓልዩ ተደጋጊፉ ሓቢሩ ክሰርሕ ሙኻኑ ምግላፆም እውን ቤት ፅሕፈት ህወሓት ሓቢሩ ኣሎ ።

ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል እቲ መድረኽ ሰናይ ትምኒት ንምግላፅ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ተሓባቢርናን ተደጋጊፍናን ተልእኾ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክነዐውት ዘለና ውፉይነት ንምግላፅ ዝተዳለወ እውን እዩ ኢሎም ።

” ንፁራት ተልኡኾታት ሒዙ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተልእኾታቱ እናፈፀመ ኣይፀንሐን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጉድኣት ኣብፂሑ እዩ ” ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ” ተልእኾታቱ ዝፍፅም ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኑ ክመዓራረ ንምግባር ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ቃልሲ ክካየድ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝመዓራረየሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ ” ክብሉ እውን ተዛሪቦም ።

እቲ ቀንዲ ጉዳይ ግዝያዊ ምምሕዳር ተመዓራርዩ ህዝብና ትፅቢት ዝገብሮ ተልእኾታት ግዝያዊ ምምሕዳር ቀልጢፍካ ምዕዋት ስለዘኾነ፤ ኣብ ትሕቲ ወራር ዘሎ ህዝብናን ልኡላውነትናን ሓራ ንኽወፅእ፣ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና ናብ መረበቱ ንኽምለስ ከምኡ እውን ናይ ሰላምን ፀጥታን ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ስርሓትና ብምስላጥ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝተመረፀ ስሩዕ መንግስቲ ዝኣትወሉ ኩነታት ክመቻቾ ተደጋጊፍና ክነዕውት ድልዋት ምዃና ንፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ክገልፀሉ እፈቱ ክብሉ እውን ተዛሪቦም ።

ንፕረዚደንት ታደሰ ሰናይ ዘበን ስራሕ እናተመነኹ ውድብ ህወሓት ከም ኣካል ግዝያዊ ምምሕዳር ትካላዊ ነፃነቱ ሓልዩ ተደጋጊፍና ግቡእና ብምፍፃም ናብቲ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ዝብህጎ ምኽባር ልኣላውነትና ቀልጢፍና ከምንኣቱ ይተኣማመን እውን ኢሎም ።

ከም ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጀነራል ታደሰ ወረደ ብወገኖም ነቲ ዝተዳለወ መድረኽ ሰናይ ትምኒት ብምምስጋን ካብ ሕሉፍ ድኽመታትና ተማሂርና ምድግጋፍናን ምትሕብባርናን ንቐፃሊ ጉዕዞና ወሳኒ እዩ ኢሎም ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝቕፅል ናይ ሓደ ዓመት ፃንሒቱ በቢርብዒ ዓመት ዝከፋፈሉ መደባት ሒዝና ቀዳምነት ንዝወሃቦም ጉዳያት ቀዳምነት ሂብና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም፡፡

ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳርን ተሓጋጊዞም ፀገማት ህዝቢ ክፈትሑ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ፤ እቲ ሕዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ዝወለዶ ዓብዪ ጠለብ ህዝብና ክንምልስን ፅቡቕ ኣሰር (legacy) ክንገድፍን ክንደጋገፍ ግቡእ እዩ ኢሎም ክብል ቤት ፅሕፈት ህወሓት ኣብ ዕላዊ ገፅ ማሕበራዊ ሚድያ ሓቢሩ ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *