ፍትሓዊ ክፍፍል ማይ ከተማ መቐለ?

ፍትሓዊ ክፍፍል ማይ ንክህሉ ይሰርሕ ኣለኹ ኢሉ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ መቐለ።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ መቐለ ምክትል ስራሕ ኣካያዲን መተሓባባሪ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ቐረብ መስተ ማይን ኣይተ ብርሃኑ ገ/ኪሮስ ከምዝሓበርዎ ፤ፍትሓዊ ክፍፍል ማይ ንምርግጋጽ ዝለዓለ ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ፡ ይኹን እምበር ኣብ ህንፀት መንገዲ ምቁርራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ለይቲ ዘጋጥም ብኽነት ማይን ካልኦትን ዓበይቲ ዕንቅፋታት ከምዝኾኑ ገሊጾም።

እዞም ፀገማት ንምፍታሕ ንሰርሕ ኣለና ዝበሉ እቶም ሓላፊ ፤ከም ጸረጋ ጎዳጉዲ ፣ተወሳኺ ጎዳጉዲ ምኹዓት፣ህንፀቶም ተጀሚሩ ዝነበረ ፕሮጀክታት ማለ’ውን ከም ገረብ ሰገን ቁጽሪ ክልተ ብምዝዛም ናብ ረብሓ ክውዕል ይስራሕ ከምዘሎ ገሊጾም።

ሕብረተሰብ ድማ ብኽነት ማይ እንተጋጥም ናብ ዝምልከቶ ሓበሬታ ክህብን ማይ ኣብ ዝጥቀመሉ እዋን ዓርሱ ካብ መበኻናይነት ክቑጠብን መልእኽቶም እውን ኣመሓላሊፎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *