ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ስሩዕ ስራሖም ጀሚሮም
ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ሎሚ 2 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ስሩዕ ናይ ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣኼባ ዘሳለጡ እንትኾን፤ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ብዛዕባ ዝሰላሰሉ ዕማማት ኣንፈትን ናይ ስራሕ መምርሕን ሂቦም።
ዝህሉ ግዘ ሓፂር ምዃኑ ዝሓበሩ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ፤ ሕድሕድ ኣብያተ ዕዮ ናይ ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ትልሚ ከሐድስን ኣብ ዝቕፅሉ 12 ኣዋርሕ ክስርሑ ዝግበኦም ዕማማት ብንፁር ከቐምጥን ኣተሓሳሲቦም።
ማእኸል ናይ ኩሎም ስራሕትና ውዕል ፕሪቶሪያ ምሉእ ብምሉእ ንምፍፃም ክኸውን ከምዝግባእ ዝገለፁ ፕረዚደንት ታደሰ፤ ሰላምን ድሕንነትን ትግራይ ብዘተኣማምን ኣገባብ ንምውሓስ፣ ምንቕቓሕ ቁጠባ ትግራይ ከምኡ ድማ ኣብ ምሕደራ (governance) ትኹረት ክግበርን ትፅቢት ዝግበረሉ ውፅኢት እውን ምእንፋት ከምዘድሊን ገሊፆም።
ዘለና ኣፈላላይ ንጎኒ ገዲፍና ቀፃሊ ህላወ ትግራይን ህዝባን ንምውሓስን ቀፀልቲ ባህግታትና ክሰምርን ኣብ ዘኽእሉ ብሄራዊ ዕማማትና ሰሚርና ክንሰርሕ ኣለና ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት፤ ሓደ ሰዓሪ ካሊእ ተስዓሪ ወይ ደፋኢን ተደፋኢን ንኾነሉ ኩነታት ስለዘየለ ከም ተጋሩ ሓድነትና ኣስጢምና ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም።
ኣተሓሒዞም እቲ ዝፅንሐ “ህወሓት፣ ግምት” ዝብል ኣጀንዳ ክፍታሕን መዕለቢ ክገብረሉን ከምዝግባእ ዝገለፁ እቶም ፕረዚደንት፤ ጉዳይ ትግራይን ህዝባን ግን ናይ ኩላትና ኣጀንዳ ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳስቦም። ኣብ ቀረባ እውን ህዝባዊ ኮንፈረሳት ብምክያድ ኣብ ህልዊ ፀገማት ህፁፅ መፍትሒ ከምዝቕመጥ ብምግላፅ ኩለን ውድባት ፖለቲካት ትግራይን ካልኦት ክፋል ማሕበረሰብን ኣብ ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ዓሲሎም ክሰርሑ ዘኽእል ኣካይዳ ከምዝዝርጋሕ ገሊፆም።
ኣብ መወዳእ ፕረዚደንት ታደሰ፣ ኣብ ኣመራርሓ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተወሰነ ምምዕርራይ ከምዝህሉ ብምሕባር፣ ኣብ ሓፂር እዋን ከምዝፍፀም ገሊፆም ክብል
ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ሓቢሩ ።