ካብ ውድብ ህወሓት ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ
ፕሪቶሪያ ዝፃብኡ በይናዊ ውሳነታትን ተግባራትን ደው ክብሉ ይግባእ!
ስምምዕ ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኮይንዎ ኣሎ። ብወገን ህወሓትን ትግራይን እቲ ስምምዕ ብቕልጡፍ ንክፍፀም ተሰሪሑ እዩ። ምእንተ ሰላም ክብሃል ትግራይ ክትሽከሞም ዘይግብኣ ግፍዕታት ተሸኪማ ፀኒሓ እያ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፍፀሙ ዝግብኦም ብፍላይ ንመሰልን ሃለዋትን ትግራይ ዝምልከቱ ወሰንቲ ትሕዝቶታት እቲ ስምምዕ ናይ ምፍፃም ተግባር ዘይኮነስ ኣብቲ ስምምዕ ዘየለዉ ጉዳያት ብበይናዊ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣብ ምፅዓንን መስርሕ ሰላም ኣብ ዝጎድኡ ተግባራትን ተፀሚዱ ይርከብ።
ህዝቢ ትግራይ ዛጊድ ዝተመረፀ መንግስቲ ክህልዎ ይግባእ ነይሩ። ይኹን እምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብዝተኸተሎ ግጉይ ኣካይዳን ፖለቲካዊ ሕምስምስ ክህሉ ብምስርሑን ክገሃድ ኣይክኣለን። ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ ወቕቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝፀንሑ ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፃብኡ ተግባራት ካልኦት ሓደሽቲ ጥሕሰታት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ እናተፈፀሙ ይርከቡ። ብመሰረት ዓንቀፅ 3 ስምምዕ ፕሪቶሪያ ሓዲኡ ተወዓዓሊ ወገን ነቲ ካልእ ወገን ብቐጥታ ይኹን ተዘዋዋሪ ናይ ዘይምጥቃዕ ግቡእ ኣለዎ። ናይ ተፃብኦ ስራሕቲ ፕሮፖጋንዳን ሚድያን ክልኩላት እዮም። እዞም ግልፂ ግቡኣት ብምጥሓስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሃለዋት ትግራይ ዝፈታተን ኩነታት ክፍጠር ምስራሕ ካብ ዝጅምር ነዊሕ እዋን ኣቑፂሩ ኣሎ። ዓቐን ዘየብሉ ሃፍቲ ኣፍሲሱ ይረባረብ ኣሎ።
እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕዚ እውን ንመንፈስን ትሕዝቶን ስምምዕ ደው ምባል ተፃብኦ ንጎኒ ብምግዳፍ ተወዓዓልቲ ወገናት ብልዝብን ብምርድዳእን ብዝበፅሕዎ ናይ ሓባር ስምምዕ ዘይኮነስ ኣግባብነት ብዘየብሎም ሕግታት (ኣዋጅ 359/1995፤ ደንቢ 533/2015) በይኑ ከም ድላዩ እናወሰነ ንምኻድ እናሰርሐ ይርከብ። ብመሰረት ዓንቀፅ 10 ስምምዕ ፕሪቶሪያ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብልዝብ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ይጣየሽ። ስለዝኾነ ኣብ ትግራይ ዝተጣየሸ ግዚያዊ ምምሕዳር ውፅኢት ስምምዕ ፕሪቶሪያ እምበር ጉዳይ በይናዊ ውሳነ መንግስቲ እትዮጵያ ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ነዚ ዝጥሕስ ቅሉዕ ምንቅስቓስ ይግበር ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፉ እዋናት መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ዝነበሮም ርክባት ህወሓት ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ዝፀንሐ ፕረዚደንት ምልዓሉ ስዒቡ ኣተኻኽእኡ ዝምልከት ተዘራሪቡ እዩ። በዚ ኣቢሉ ‘ውን ክሳብ ሕዚ ዘሎ ኣፈፃፅማ ግዚያዊ ምምሕዳር ብምግምጋም ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ንምቕያር ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ። ስለዝኾነ ድማ ጀነራል ታደሰ ወረደ ፕረዚደንት ንክኸውን ማ/ኮሚቴ ህወሓት ወሲኑ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ውን ተቐባልነት ረኺቡ እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ነቲ ስምምዕ ንጎኒ ብምግዳፍ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተወዝዐ ፃዊዒት ጥቆማ፤ ፕረዚደንት ናይ ምሻም ስልጣን ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር በይናዊ ዉሳነ ዘምስልን ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝጥሕስን ኣካይዳ ስለዝኾነ ተቐባልነት የብሉን።
ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ፅንተታዊ ኲናት ዝበፅሖ ማህሰይቲ ንኽከሓስ ፃዕሪ ኣብ ክንዲ ምግባር ከም ነዳዲ ዝበሉ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመሓደሩ ወሰንቲ ሸቐጣት ከይኣትዉ ብምኽልካል ኣብ ትግራይ ዝካየዱ ናይ ሂወት ምድሓንን ዝርካቦም ስራሕትን ጠጠው ክብሉ ብምግባር ብሂወትን ናብራን ተጋሩ ምፅዋት ቀፂሉ ኣሎ። ከም’ዚ ዝኣመሰሉ ኢሰብኣዊ ተግባራት ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዓለምለኻዊ ሕግታት ዝፃብኡ ኣዝዮም ኣነወርቲ ፀረ ደቂ ሰባት ዝኾኑን ብገበን ምፅናት ዘሐትቱን ተግባራት እዮም። ብተወሳኺ ሰላም ህዝቢ ዝሕምሱ ሰፋሕቲ ምንቅስቓሳት ይግበሩ ኣለው። ሰላም ዓቂቦም ዋጋ እናኸፈሉ ዘለዉ ብልሒ መኸተ ዝኾኑ ሰራዊት ትግራይን ኣመራርሑኡን ብ”ብዕራይ ወለደ” ብትካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ይውንጀሉ ኣለው።
ህወሓት ደጋጊሙ እናገለፆ ከም ዝመፀ እቲ ትኹረት ኣብ ምፍፃም ቀንዲ ትሕዝቶታት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ማለት እውን፤ ኣብ ትሕቲ ወራር መቐፀልታ ፅንተት ዝኾኑ ማእለያ ዘየብሎም ግፍዕታት ዝፍፀመሉ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ሓራ ንክወፅእ፤ ናብራ ሓሳረ-መከራ ዝደፍኡ ዘለዉን ብሕፅረት መሰረታዊ ንወዲሰብ ክቐርቡ ዝግብኦም ጠለባት ኣደዳ ሞት፣ ሕማምን ስቅያትን ዝኾኑ ዘለዉ ካብ መነባብርኦምን መረበቶምን ዝተፈናቐሉን ዝተሰደቱን ዜጋታት ናብ መረበቶም ክምለሱ ክግበር፤ ላእላውነት ትግራይ ክረጋገፅ፤ ፍትሒን ተሓታትነትን ክነግስ፤ ዝተፈላለየ ጉድኣት ዝበፅሖም ክከሓሱ፣ ስራሕቲ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ክሳለጥ፤ ኣብ ትግራይ ዝተመረፀ መንግስቲ ክህሉ ርብርብ ክግበርን ተዛመድቲ ተግባራት ብመሰረት እቲ ስምምዕ ክፍፀሙን ደጊሙ ደጋጊሙ ይፅውዕ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብግልፂ ይርኣዩ ካብ ዘለዉን ንህዝቢ ጎዳእቲ ዝኾኑን ሃወኽትን ጎንፂ ፈጠርትን ተግባራቱ ተቖጢቡ ዘላቒ ሰላምን ሓበራዊ ረብሓን ኣብ ዘረጋግፁ ተግባራት ከትኩር ፃውዒትና ነቕርብ። ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፍፀም ብዘተን ምርድዳእን ክልቲኦም ፈረምቲ ወገናት ስለዝኾነ በይናዊ ውሳነታት ደው ክብሉ ደጊምና ነፍልጥ። ንዝምልከቶ ኩሉ ሕዚ እውን ከም ትማሊ ሕርያና ሰላምን ልምዓትን ምዃኑን ካብዚ ቅኑዕን ጠቓምን መንገዲ ንዘይምውፃእ ዝክኣለና ኩሉ ከም እንገብርን ክነረጋግፅ ንደሊ።
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንስውኣትና!
መጋቢት 17፣ 2017 ዓ.ም
መቐለ