ፃውዒት ህወሓት ወፍሪ “እምቢታ”

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) “ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ኢላ ትፅውዖ” ጉጅለ ስልጣን ህዝቢ ብዘይኣግባብ ንምምንጣል ኩሉ ዓይነት ዘይሕጋዊ ተግባራትን ይፍፅም ከምዘሎ ደጋጊማ ገሊፀ እያ።

ምክትል ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ኣይተ ኣማኒኤል ኣሰፋ ኣብ ከተማ ዓድግራት ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ወፍሪ እምቢታ መናእሰይ ኣመያይጡ እዩ።

ነቲ መድረኽ መሪሑ ዘመያየጠ ኣይተ ኣማኑኤል ህዝብና ልኣላዊ ዋንነት ስልጣኑ ብዝንዕቑን ዘነኣእሱን ‘ንሕና ኢና ንፈልጠልካ’ ዝብሉ ጉጅለ ስልጣኑ ንምምንጣል ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ንዝሓለፈ 50 ዓመት ብኸቢድ መስዋእቲ ዝተሃነፀ ስርዓት ኣሎ። እዚ ስርዓት ብደምን ዓፅምን ጀጋኑ ዝተሃነፀ ህዝባዊ ስርዓት እዩ ዝበለ ኣይተ ኣማኑኤል፤ ኣብ ከተማ ዓድግራት ህዝቢ ዝመረፆን ዝወከሎን ሕጋዊ ቤት ምኽሪ እናሃለወ ልኣላዊ ዋንነት ስልጣን ህዝቢ ንዒቕካን ኣናኢስካን ‘ንሕና ኢና ንፈልጠልካ’ ብዝብሉ ውልቀ ሰባት ህዝቢ ስልጣኑ ንምምንጣል ይፍተን ከምዘሎ ሓቢሩ።

ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ብኣቋራጭ ስልጣን ህዝቢ ንምምንጣል ኩሉ ዓይነት ዘይሕጋዊ ተግባራት ይፍፅም ከምዘሎ ብምግላፅ ንህዝቢ ዘእምን ትኽክለኛ ሓሳብ ዘለዎ ዝኾነ ኣካል ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣይፍፅምን ኢሉ።

መናእሰይ ህዝቢ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሌና ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ዝበፅሖ ጨፍጫፍን በደልን፣ ምምዝባል፣ ሃፍቱን ጥሪቱን ምስኣኑ ከይኣኽሎ ሕዚ ድማ ነንባዕሉ ከይተኣማመን፣ ሓድነቱ ክልሕልሕን ናብ ጎንፂ ክኣቱን ይግበር ስለዘሎ ትግራይ ብኸባቢ ፈላልዮም ክበታትንዋ ንዝደልዩ ኣካላት ክትቃለስዎም ኣለኩም ኢሉ ኣተሓሳሲቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *