ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ” ትግራይ ብንእሽተይ ድጋፍ ዓብይ ዓቕሚ ምፍጣር ዝክኣለሉ ጠንካራ ህዝቢ ዝሓዘት እያ ” ገሊፆም።
ትኹረት ንልምዓት ሕርሻ ትግራይ ፍሉይ ሃገራዊ ሲምፓዝየምን ኤግዚቢሽንን ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ፡ ትግራይ ብንእሽተይ ድጋፍ ዓብይ ዓቕሚ ምፍጣር ዝክኣለሉ ጠንካራ ህዝቢ ዝሓዘት እያ ክብሉ ገሊፆም።
ልምዓት ሕርሻ ብፅንተታዊ ኩናት ትግራይ ዓብይ ዕንወት ካብ ዝበፅሖም ዓውዲታት ሓደ ሙኻኑ ዝጠቐሱ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ሓደ እዋን ዝለዓለ ኢንቨስትመንት ተዋፊሮም ዝነበሩ በቲ ኩናት ጥራሕ ኢዶም ካብ ምትራፍ ሓሊፎም ኣብ ቅልውላው ከምዝርከቡ ኣፍሊጦም ።
ትግራይ ብምግቢ ውሕስና ምርግጋፅ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ኢንቨስትመንትን ሰደድን ዝለዓለ ብፂሕት ዝነበረን ከባቢታት ትርጉም ዘለዎ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ እናገበራ ኣይኮናን ኢሎም።
ብምዃኑ ድማ ትግራይ ብዓመት ተፍርዮ ካብ ዝግባእ ዝተሓተ ምህርቲ እናምረተት ከምዝኾነት ዝሓበሩ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ልምዓት ሕርሻ ትግራይ ንምንቕቕሕን ናብ ንቡር ንምምላስን ተስፋ ዝህቡ ስራሕቲ ምስራሕ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።
እቲ ስምፓዝየም ድማ ኣብዚ ትኹረት ገይሩ ከምዝዝትየ ትፅቢት ይገብር ኢሎም።
ፕረዝደንት ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ኣይተ በሪሁ ሃፍቱ ብወገኖም ትግራይ ንቅድሚት ንክትውንጨፍ ኣብ ሕርሻ ፣ ልምዓት ቱሪዝም፣መኣድን ትኹረት ተገይሩ ምስ መዳርግቲ ኣካላት እናሰርሐ ከምዝመጸኣ ሓቦሮም።
እቲ ፍሉይ ሃገራዊ ስምፓዝየም በቲ ኩናት ኣብ ልምዓት ሕርሻ ዝበፅሐ ጉዱኣትን መዋፅኦን ትኹረት ዝገበረ ምዃኑ ገሊፆም።
ኣብ ልምዓት ሕርሻ ዘራእቲ ማእኸላት፣ ስራሕቲ መሰኖ፣ ሃፍቲ እንስሳ፣ ማእኸላት ሕክምና እንስሳ ፣ ናይ ሕርሻ ትራክተራት ወዘተ ድማ ከምዝዓነያ ኣይተ በሪሁ ሃፍቱ ወሲኾም ሓቢሮም።
ኢንቨስትመንትን ፋይናንስ ስራሕቲ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ኮሜቴ ተጣይሹ ይስራሕ ከምዘሎን መፍትሒኡ ግን ፓለቲካዊ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ብቱሪዝም ሕርሻን መዓድን ትግራይ ንቅድሚት ንምውሳድ ተዓሊሙ ይስራሕ ኣሎ
ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዶ/ርእያሱ ኣብርሃ ትግራይ ብምግቢ ዓርሳ ንምኽኣል ዝግበር ዝነበረ ምንቅስቓስ በቲ ኩናት ተኾሊፉ እዩ ኢሎም።
ድሕሪ ኩናት ደው ምባል ምርግጋፅ ምግቢ ውሕስና፣ ምምሕያሽ ስራሕቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ስራሕቲ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳ ክጅመር ከምዝትገበረ ገሊፆም።
ልምዓት ሕርሻ ፣ ስላም፣ ሃፍቲ ስለዝኾነ ሰብ ሃፍቲ ዝጀመርዎ ምንቅስቓስ ክጠናኽርዎ ይግባእ ኢሎም።
ኢንቨስትራት ኣብ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳን መስኖን ክዋፍሩን ንኣናእሽተይ ሓረስቶት ከዘምኑ ይግባእ ክብሉ መልእኽቲ ኣሕሊፎም።
ኣብቲ ፍሉይ ሃገራዊ ሲምፓዝየምን ኤግዚቢሽንን ኣብ ልምዓት ሕርሻ ትኹረት ዝገበሩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ክዝተየሎም እዩ ።