“እህህ እህህ እያ እህህ እህህ ” በሎ በለት

ሓደ እዋን ሓንቲ ትሕቲ ዕድመ ዝተመርዐወት ግን ድማ ለባም ዝኾነት መርዓት። ነገራት ከይተባላሽው ዓዲ መርዓዊ ከምገዝኣ ክትርእዮ ተባሂሉ ንእሽተን ሓዋ እውን ምስኣ ወረደ። ድሕሪ ዝተመሰነ መዓልቲ ሓዋ ናብ እንዳቡኡ ክኸይድ እንትብል እታ መርዓት ብሓዋ ገይራ ነቦኣ መልእኽቲ ለኣኸት። እቲ መልእኽቲ ከምዚ ናይሎሚ ቴክኖሎጂ እዩ ኮዲንግ እዩ ዝመስል “ነያይ እህህ እህህ እያ እህህ እህህ ” በሎ በለት

እዚ ታሪኽ ኣብ ቀረባ እዋን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ( ህወሓት) ካብ ዘሳለጦም ዋዕላታት
ሓንቲ ኣባል ህወሓት ኣብ ሓደ ወረዳ ዝተዛረበቶ እዩ። ኣነ እውን እዚ ዘረባ መበገሲ ፅሑፍ ገይረዮ ኣለኹ። እታ ኣባል ህወሓት ከምዝበለቶ ብሓፂሩ። “ናትና ኩነታት ከምቲ መልእኽቲ እታ መርዓት እዩ ኮይኑ። ” በለት። እቲ ዘረባ ግልፂ ንምግባር “ንስኻትኹም እውን እህህ ኮይኑኹምና ንሳቶም እውን እህህ ኮይኖምና:: ኣንቱም ሰባት … ኢላ መረረታ ገለፀት።

“ዓው ኢልና ጨሪስና ከይንዛረብ እኮ “ከምቲ ሞት ውሽማ ኮይኑና። እሞ ውሕጅ ይወስዶም ኢልና ዶ ቱፍታፍ ክንውስኸሎም ኣይንውስኸሎምን። ንዓኹም እውን ኣይንረግምን” በለት

ነቶም መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ዘካየዱን ነቶም ጉባኤ ዘይተሳተፉን ኣመራርሓ ህወሓት ገፀፀቶም።

“እህህ እህህ ” ናይዛ ሓንቲ ኣባል ጥራሕ ሓሳብ ኣይኮነን። ኣብ ሚድያታት ብተደጋጋሚ ከምዝተገለፀ “እቲ ፀገም ኩላትና እዩ።” ልዕሊ ሓደ ውድብ እዩ። ናይ ህዝቢ ፀገም እዩ። ናይቲ ብፀላእቲ ዘይተንበርከኸ ጅግና ህዝቢ ድምፂ እዩ።

እዚ ህዝቢ ብሓይልታት ፅንተት ፅንተት ተዓዊጅዎ ብልፍንቲ ዝኸበብዎ ግን ድማ ፈንፂሑ ዝመፀ ብዘይምግናን ዓለም ዘገረመ ህዝቢ ኣብ ውሽጡ ሓደጋ ተፈጢርዎ ኣሎ። ካብ እዋን ናብ እዋን ኣብ ክንዲ ዝዕረ እቲ ዝተፈጠረ ፀገም ካልእ ፀገም ይፈጥር ኣሎ። እቲ ዘይግመት ፀገም ካልእ ዘይተገመተ ፀገም ፈጢሩ ህዝቢ ከም ህዝቢ ከየፅንተና ዘስግእ ብርኪ እዩ በፂሑ።

ንኣብነት ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ምስ ህውከትን ፈተነ ቅትለትን ዝተፈላለዩ ሓበሬታት ይውንዝዑ ቀኒዮም እዮም።

ካብቶም ሓበሬታት እቲ ሓደ ፈተነ ቅትለት ኣይተ ሰለሙን ምዕሾ እዩ።

እቲ ፈተነ ቅትለት ፈፂሙ ዝበሃል ኣካል ኣመራርሓ ኣይፈፀምኹኖን ኢሉ እዩ። ብርግፅ ኣይተ ሰለሙን ባዕሎም መን ከምዝተኮሶሎም ኣይንፈልጥን ይፃረየለይ ኢሎም ንግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣመልኪቶም እዮም።

ክሳብ ሐዚ እቲ ቅትለት ፈተነ ዝተፈፀመሉ ወረዳ ምምሕዳርን ፀጥታን ማይቅነጣል እውን እቲ ሓበሬታ ብዕራይ ወለደ ምዃኑ ገሊፁ እዩ ሓሊፍዎ።

ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን መሓውሩን እዚ ዛዕባ ዝምልከት እቲ ሓቂ መሰረት ብምግባር ህዝቢ ንክረጋጋዕን ሚዛን ንምትሓዝን መግለፂ ኣይሃበን።

ዝኾነ ኮይኑ ብድሕሪ እዚ ቶኽሲ ዘሎ ሽርሒ ክሳብ ሐዚ ግልፂ ኣይኮነን። ብሃንደበት ይኹን ኮነ ተባሂሉ እቲ ድርጊት ጌጋ እዩ። ገበን እውን እዩ። ኮነ ተባሂሉ ዝተፈፀመ እንተደኣ ኮይኑ ድማ ካልእ ዝገደደ ኩነታት እዩ ዘመላኽት። ዝኾነ ኮይኑ ግን እቲ ተግባር ሓደ ነገር ዘመላኽት ነገር ኣለዎ። ኣብ ሓደጋ ኢና ዘለና።

ከምቲ ሓደ ወላዲ ዝበልዎ “እቲ ሓደጋ ብግልፂ ከይንዛረቦ መሬት ክመልእ እዩ። ሱቅ እንተኢልና ድማ ከብድና እናበለዐና” ዝበልዎ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካ ካብ ተጋማታይነቱ እናወፀአ እዩ። ካብ ቁፅፅር ወፃእ ከይንኾን ዝምልከቶ ኣካል ቆላሕታ ክገብረሉ ይግባእ። ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ልዕሊ ንሱ እዩ። ፀገም ትግራይ ልዕሊ ሓደ ውድብ ። ልዕሊ ሓደ ትካል እዩ። ኩላትና ብዝተወደበን ዝተዋደደን መልክዑ ኢደይ ኢድኻ ተበሃሂልና ክንወፍረሉ ይግባእ።

ምኽንያቱ ከምቲ ናይ ጎረቤት ገዛ እንትቃፀል ኣይምልከተንን ኢልካ ሱቅ ኢልካ ዘይረኣይ እዩ። እቲ ሓዊ እንተደኣ ተቀፃፂሉ። ዳርጋ ከምቲ ነዳዲ ዝፈሰሶ እቲ በቢብርኩ ዘይተፈትሐ ፀገም ዝተደጎለ ሓዊ ባርዕ እዩ ዝኸውን። መምለሲ መላሲ ኣይክህልዎን።

እዚ ሓዱሽ ነገር የብሉን ብተግባር ይረአ እዩ ዘሎ። ነገራት ካብቲ ዝሓለፈ ግዘ እናገደደ እዩ። ህዝቢ ናይ ምፅዋር ዓቕሙ እናተዳኸመ እዩ ዘሎ። ህዝቢ ውድቡን መንግስቱን ምእማን ኣይከኣለን። ብስርዓትን ሃገርን ተስፋ እናቆረፀ ካብ ዓዲ ይወፅእ እዩ ዘሎ። ዓዲ መንእሰይ ኣልቦ እያ ትኾን ዘላ። ኣብ ገለገለ ጣብያት ሬሳ ዝሽከም መንእሰይ ዝሰኣነሉ ብርኪ ተበፂሑ እዩ። ኣይሾንካይዶ ንመኸተ።

እቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጥም ፀገም እናኸረረ ኣብ ዝኸደሉ ግዘ እቲ መፍቱሕ ሳይንስ ዘመናዊ ፍትሓዊ እናኾነ ኣብ ክንዲ ዝመፅእ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናገደደ እዩ። ነገራት እናተሓላኸ ይመፅእ ኣሎ። ብሓቂ ነዚ ፀገም ዝፈትሕ ስትራተጂክ መሪሕነት ኮነ ጠንካራ ውድብ ተሳኢኑ እዩ።

ብርግፅ እቲ ህዝቢ መሊኡ ፀንቂቁ ተስፋ ኣይቆረፀን። እንተወሓደ እቲ ህዝቢ ንመኸተ ኢሉ ዝፈጠሮ ኣብ ዝተወደበ ሰራዊት ይተኣማመን እዩ።

ሰራዊት ትግራይ ኣብ መኸተ ዘርአዮ ጅግንነት ፅንዓትን ነቲ ብልፍንቲ ዝወረረ ፀላኢ መኪቱ እዩ። ይኹን እምበር እቲ መኸተን እቲ ሐዚ ህዝቢ ትግራይ ዘጋጠሞን ፀገም ብባህሪኡ ይፍለይ እዩ። ነዚ ሐዚ ዘጋጠሞ ፀገም ኣፈታትሕኡ ከምቲ ናይ መኸተ ኣይኮነን።

እዚ ኣብ ግምት ውሽጢ ኣእትዩ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ሞንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ዘጋጠመ ፀገም ኣሸማጊሉ ክፈትሖ ፈቲኑ እዩ። ድሕሪኡ እውን ሓደጋታት ተኸላኺሉ እዩ። ነዚ ድማ እዩ እቲ ህዝቢ እምነቱ ኣብ ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ሰራዊት ትግራይ ዝገበረ።

ይኹን እምበር ካብ እዋን ናብ እዋን እቲ ፖለቲካ ኣፈላላይ ኣይተፈትሐን። እቲ ማሕበራዊ ኢኮኖሚ ፀገም ኣይተፈትሐን። ውዕሊ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣይተተግበረን። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ኣብዝተመዛበለሉ። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ሪሒቆም። በቢዓመቱ ብዓሰርተ ኣሽሓት መናእሰይ እናተሰደዱ። ፀላእቲ ኣብ መሬት ትግራይ እናሃለው። እቲ ሰላሕታ ጆኖሳይድ ቀፂሉ፤ እቲ ዕፅዋን ክባን መልክዑ ቀይሩ እናኸረረ። ኣብ ትግራይ ተስፋ ኣልቦ ህዝቢ፤ ሸቅሊ ኣልቦ በዚሑ። ገበናት እናበዝሑ እዮም። ኣብዚ ግዘ ኣመራርሓ ንስልጣኖም ይጓነፁ ኣለው። ገሊኦም ኣተሃዳድማ ዕቡያት ይሃድሙ ኣለው።

ስለዚ ኣብዚ ግዘ ህዝቢ ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ፀጥታ ትግራይ ንምሕላው ሰላም ንምዕሟቅ ዓብይ ሓላፍነት ዝሃቦም ንሓይልታት ፀጥታ ንሰራዊት ትግራይ እዩ።

ብርግፅ ሓይልታት ፀጥታ ማለት እውን ሰራዊት ትግራይ ናይ ደገ ፀላእቲ ኮነ ናን ውሽጢ ናይ ፀጥታ ፀገም ምፍታሕ ኣይኣብዮን። ዘተኣማምንን ዝተመስከረሉን ሰራዊት እዩ።

ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኢሉ እውን ዳርጋ ዓመት ግን ብዙሕ ሕልኽላኻት ሽርሒ ፖለቲካ ንምፍታሕ ሓንሳብ ሽማግለ ሓንሳብ ሰራዊት ኮይኑ እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብ ቀረባ እዋን በቲ በቲ ድማ ኣብ ልዕሊ እዚ ጅግና ሰራዊት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣመራርሓ እቲ ሰራዊት ፀለመታት ይረአ ኣሎ። ብተግባር እውን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ንምግላፅ ዝተፈተነ ሓደገኛ ተርእዮታት ኣለው። ብርግፅ ኣብ ኩናትን ድሕሪ ኩናትን ስርዓት ክሳብ ዝሕዝ ዕጡቃት ክረኣዩ ይኽእሉ እዮም። ግን ድማ ንሱ እውን ምቁፅፃር ይግባእ እዩ።

ስለዚ ከምቲ ኣብዝሓ ዝብሎ ሰራዊት ትግራይ ኣብ እዋን መኸተ ዘርአዮ ጅግንነት ኣብዚ ግዘ ከይዋረድ ጥንቃቐ የድልዮ እዩ። እቲ ጉዕዞ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ምዃኑ ፈሊጡ ክከላኸል ብገንኡ መልክዕ ክሕዝ ምግባር ይግባእ። ነዚ ድማ እዩ ህዝቢ ምስ እንቅዓ ሰፍ ዘይብል ኢኮኖሚ ማሕበራዊ ፀገማቱ ኩሉ ነገሩ ንሰራዊት ሂቡ ፍርቂ ድቃስ ደቂሱ ዝሓድር ዘሎ።

ሐዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢምዎ ዘሎ ፀገም ከምቲ መርዓት ዝበለቶ እዩ። “እህህ እህህ እያ እህህ እህህ ” እዩ። መሊእና ከይንዛረቦ መሬት ክመልእ እዩ። ብትን ክብል እዩ። ሱቕ ከይንብል ከብድና እናቆሰለ እዩ። ከይንራገም ናትና ኢኹም። ናብቲ ውሕጅ ቱፍታፍ ከይንውስኽ ናትና ኢኹም።

ስለዚ ህዝቢ ልቢ ካብ ዘዕበየ። ነቲ ለባብ ህዝቢ ካብቲ መከራ ኣሳግርዎ። ከምቲ ኣባ ሰላማ ዝበልዎ “እዚ ህዝቢ ክሳብ ሐዚ እምኒ ኣይደርበየን” ። እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘሎ ፀገም ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ፖለቲከኛታት ሓደ ነገር ግበሩ። ሙሁራን ሓሳብ ኣቕርቡ። ሰራዊት ትግራይ እቲ ሓደጋ ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ከም ትካል ስርዓት ብምዝርጋሕ ህዝብኹም ክተድሕኑ ይግባእ። እዚ ኩሉ ግን መሰረቱ ሕገ መግግስቲን ውዕሊ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያን እዩ። ኣብ ሓድነት ህዝብን እዩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ሓፂር ግዘ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ኣብ ኢድ ፀላእቲ ዝርከቡ ወገናትና ሓራ ክወፁ፣ መረፃ ክካየድ፣ ስሩዕ ስርዓት መንግስቲ ክጣየሽ ይግባእ ንብል።

እዚ ዕረ ዝኾኖም ኣብ ዝሓለፈ ግዘ ኮነ ኢሎም ኮነ ከይፈለጡ ኣብ ጠልቆምቆም ኢዶም ዝሓወሱ ፤ ገበኖም ዘስግኦም። ስግኣቶም ንምሽፋን ህውከትን ዕግርግርን ዝመርፁ ቦታ የብሎምን። ከም ገለ ሓሳብ ወሃብታ ብሰላም ብዕርቂ ዝፍታሕ ዝውሰን ይወሰን ብሕጊ ተሓታታቲ ዝኾን ክሕተት እዩ ዝግብኦ። ምኽንያቱ ንሱን ካልኦትን ክመሃርሉ ዝተበደለ ምእንታን ክከሓስን።

ስለዚ መራሕቲ ፀገምኹም ከይፈታሕኹም ውዒልኩም ብዝሓደርኹም ቁፅሪ ህዝቢ ይጉዳእ ከምዘሎ ፈሊጥኹም። ብቅልጡፍ መፍቱሕ ክትናድዩ ይግባእ ንብል።

ህዝቢ ክንደይ ግዘ “እህህ!” ይበል?

ኣዲስኣለም ሓጎስ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *