ተቃውሞ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ

ጀት ዩኒቨርሲቲታት ብዘመዝገበኦ ውፅኢት መጠን ክምደብ እዩ

ንዩኒቨርሲቲታት ዝምደብ በጀት ብልክዕ መጠን ዘመዝገበኦ ውፅኢት ከምዝኸውን ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ገሊፆም።

ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዘጋጥሙ ማሕለኻታት ብዝተዋደደ መልክዑ ንምምሕያሽ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ።

እቲ ስምምዕነት÷ ሚኒስቴር ትምህርቲን ኣከብቲ ቦርድ ዩኒቨርሲቲታት ዩኒቨርሲቲታት መንግስቲን ፕሬዚዳንታት ዩኒቨርሲቲን ተፈራሪሞምዎ፡፡

እቶም ሚኒስትር ትምህርቲ ኣብቲ እዋን፥ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ካብ መሰረቱ ንምልዋጥ ፅሬት ትምህርቲ ምሕላው ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

“ብፍላይ ብቕዓት ዘለዎ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይን ልዑል ረብሓ ዘለዎም ፀገም ዝፈትሑ ስራሕቲ ምርምር ንምውፃእ ኣብ ፅሬት ምስራሕ ግቡእ ከምዝኾነ ኣብቲ ስምምዕነት ተኻቲቱ ኢዩ” ኢሎም።

እቲ ስምምዕነት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብትኽክለኛ መገዲ ዝሰርሓን ተሓታትነት ዘለወንን ንኽኾና ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፆም።

ዩኒቨርሲቲታት ከም ሃገር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ብሳይንሳዊ ምርምር ዝሕግዛ ክኾና ከምዘለወን ኣገንዚቦም።

ዩኒቨርሲቲታት ዝደበለን በጀት ብልክዕ ዘመዝገበኦ ውፅኢት ክኸውን ኢዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ትሑት ኣፈፃፅማ ንዘመዝገባ ማዕረ በጀት ዝምደበሉ ኣሰራርሓ ከምዝተርፍ ምግፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብ መቐለ ዩኒቨርስቲን ካልኦት ዩኒርስቲታት ኢትዮጵያን ብመጠንን ፅሬትን ካልኦት ሕቶታትን መሰረት ብምግባር ተቃውሞ ኣቕሪቦም እዮም።

ተምሃሮ ምግቢ ብምድፋእን ብምህዋኽን ዘቅረብዎ ተቃውሞ ጌጋ ምዃኑ ሕትኦም ብሰላማዊ መንገዲ ከቕርቡ ከምዘለዎም ተምሃሮን ነበርትን ከተማ መቐለ ሓቢሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *