ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብናይ ባዕሉ ውሽጣው እቶት ዘህንፆም ዘሎ ልዕሊ 14 ኪሎ ሜትር መንገዲ ኣስፋልት ናብ ምዝዛም ምዕራፍ ከምዝተቓረቡ ተገሊፁ።

እቲ ምምሕዳር ካብ ወርሒ መስከረም 2017 ዓ/ም ኣብ ኣርባዕተ ክፍለ ከተማታት ቀዳማይ ወያነ፣ ኵሓ፣ ዓይደርን ሓወልቲን ዘስረሖም ዘሎ መንገድታት ኣስፋልት ብፅሬትን ቅልጣፈን ብዝሓሸ መልክዑ ህንፀቶም እናተሳለጠ ከምዝርከብ ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ ሎሚ 16 ታሕሳስ 2017 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ዑደት ኣብሪሆም።

እቶም ህንፀቶም ኣብ ምዝዛም ዝርከቡ ፕሮጀክታት ዕብየት እታ ከተማ ኣብ ግምት ብምእታው ሰፋሕቲ መንገዲ እግረኛታትን ተጠቀምቲ ብሽክሌታን ዘካተተ፣ ከምኡውን ክሳብ 50 ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎም ብሱር ኮንስትራክሽን ዝህነፁ ዘለው መንገድታት ኣስፋልት ንኢኮኖምያዊ ዕብየት ነበርቲ ከተማ መቐለ ዝለዓለ ግደ ከምዘበርክቱ ኣይተ ኤልያስ ገሊፆም።

ሓላፊት ቢሮ ኮንስትራክሽንን ልምዓት ከተማን ወ/ሮ ኣልማዝ ገ/ፃዲቕ፣ ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነት ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ዓብዩ ዕንቅፋት ዋላኳ እናፈጠረ እንተኾነ ኣብ ክሊ እዚ ኮይኑ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዘሳልጦ ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት ዝነኣድን ኣብ ካልኦት ከተማታት ትግራይ እውን ክሰፍሕ ዘለዎ ፅቡቕ ተሞክሮ ምዃኑ ተዛሪበን።

ኣብቲ ዑደት ዝተሳተፉ ነበርቲ ከተማ መቐለ ብወገኖም እቶም ዝሳለጡ ዘለው መሰረተ ልምዓታት ተስፋ ዝህቡን ተጠቃምነት ህዝብን ዕብየት እታ ከተማን ዘረጋግፁ ብምዃኖም ሕብረተሰብ ሓጋዛይ ግደ ከበርክት ይግባእ ኢሎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *