ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ካብ ደብዳብ ነፈርቲ ድሒኖም

እሱራት ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንክፍትሑ ንምዝርራብን ኩነታት ጥዕናን ሰብኣውነትን ንምግምጋምን ናብ የመን ዝገሹ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ካብ ደብዳብ ነፈርቲ ድሒኖም ።

ዶክተር ቴድሮስ ነቲ ኩነታት ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዘካፈልዎ ሓበሬታ፣ ሎሚ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝነበርሉ ቕፅበት ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ዝተኻየደ ፅዑቕ ደብዳብ ነፋሪት ከምዝደሓኑ ሓቢሮም ።

ብሰንኪ እቲ ደብዳብ ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት ነፋሪትና ቆሲሉ ዝበሉ ዶክተር ቴድሮስ ፣ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ እውን ሓቢሮም ።

ዶክተር ቴድሮስ ” ካብ ሰንዓ ንምብጋስ ናብ ነፋሪትና ክንስቀል ኣብ ዝተቐረብናሉ እዋን፡ ቅድሚ ክልተ ሰዓት ኣቢሉ፡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ትሕቲ ፅዑቕ ደብዳብ ነፋሪት ወዲቑ”ብምባል ነቲ ኩነታት ገሊጾሞ።

“እቲ ደብዳብ ዝተፈፀመሉ ህንፃ መቆጻጸሪ ትራፊክ ኣየር፡ ካብቲ ዝነበርናዮ መበገሲ መፀበይ ሳሎን ቁሩብ ሜትሮታት ራሕቂ ነይሩዎ”ዝበሉ ዶክተር ቴድሮስ፤ መውረዲ ነፈርቲ በቲ ዝተኻየደ ደብዳብ ከምዝተሃሰተ ገሊፆም ።

ሕዚ እውን ኣብ የመን ከምዘለው ዝሓበሩ ዶክተር ቴድሮስ” ቅድሚ ምብጋስና ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዝወረደ ጉድኣት ክጽገን ክንጽበ ከድልየና እዩ ኢሎም ።

” ኣነን መሳርሕተይን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ትካል ጥዕና ዓለምን ደሓን ኣለና ዝበሉ ዶክተር ቴድሮስ ፣ ነቶም በቲ መጥቃዕቲ ሂወቶም ዝሰኣኑ ስድራ ልባዊ ጽንዓት ይሃብኩም ክንብል ንፈቱ ኢሎም ።

እስራኤል ሎሚ ኣብ የመን ሰንዓ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ዒላምታት ሁቲ ን ካልኦት መሰረት ልምዓትን ክቢድ ደብብዳ ክትፍፅም ምውዓለ ማዕከናት ዜና ክፅብፅባ ምውዓለን ይፍለጥ ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *