ዋዕላ ሃገር ለኸ ስምፖዜምን ኤግዝብሽንን ትግራይ

ሓዱሽ ነገር (18 ታሕሳስ 2017)

ሃገርለኸ ስምፖዜምን ኤግዝብሽንን ትግራይ “ዳኣንት ንሕውየትን ስራሕ ዕድል ፈጠራ ትግራይ “ብዝብል መራሒ ሓሳብ ልዕሊ 300 መንቀሳቐስቲ ዳኣንት ፣ ቴክኖሎጂ መባዝሕቲ ቲቪቲ ኮለጃት፣ ናይ ቢዝነስ ሓሳብ መሃዝቲ መናእሰይ ፣ ካብ ማእኸል ሃገርን ክልል ዝመፁ ዝተፈላለዩ ኣፍረይትን መከፋፈልትን ትካላት ዝሳተፍሉ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።

ኢኮኖሚ ትግራይ ንምብራኽ ፣ዝተፈላለዩ ምህርቲ ብፍትሓዊ ዋጋ ብቐሊሉ ተጠቀምቲ ዝረኽብሉ ዕድል ንምምችቻውን ንስራሕ ዕድል መናእሰይ ንምንቕቓሕ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣብ ምጅማር እቲ ዋዕላ ተረኺቦም መኽፈቲ ዘረባ ዘስምዑ ሓላፊ ቢሮ ቴክኒክ ሞያን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ትግራይ ኣይተ ገብረመድህን ሓጎስ ሓቢሮም።

ዘለናሉ ኩነታት ከም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም እዩ፤ ይኹን እምበር ነዙይ ንምቅላል ከም ቢሮ ቴክኒክ ሞያን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ትግራይ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ሃገር ለኸ ስምፖዜምን ኤግዝብሽንን ትግራይ ንምስላጥ ኣድላይ ከምዝኾነ ሓቢሮም። ተሳተፍቲ ምሁራት እቲ ዋዕላ ድማ ኣብቲ ዘርፊ ዝራኣዩ ቀንዲ ፀገማት ብቐፃልነት ንምፍታሕ ነፃን ግልፅን ብዝኾነ መንገዲ ጠቐምቲ ሓሳባትን ተሞክሮታትን ብምልውዋጥ ቐፀልቲ ኣንፈታት ንምቕማጥ እጃሞም ክዋፅኡ ፀዊዖም።

ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ከምዝሓበርዎ ፣ኲናት ትግራይ ግዳይ ካብ ዝኾነሎም ሓደ ዕድል ስራሕ ፈጠራ መንኣሰይ እዩ ዝበሉ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ ኮለጃትን ቴክኒክን ሞያን ዓንየን ፣ መምህራንን ተምሃሮን ተጋዲሎምን ሞይቶምን ፣ ብዙሕ መስተንክር ዝሰረሐ መንእሰይ ተስፋ ብምቑራፅ ተስፋ ዝስእነሉን ናብ ዘይተደለየ ስደት ዝውሕዙሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ ኢሎም።

ሐዚ እውን ካብቲ ሓደ ውድቀት ገጢምና ዘሎ ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ዘይምፍጣር እዩ ዝበሉ ጀነራል ታደሰ ፣ ሕዚ ዘሎ ጅማሮታት ዳኣንት ንስራሕ ዕድል ፈጠራን ሕውየት ትግራይ ዝብል ድማ ንስራሕ ዕድል መናእሰይ በሪ ዝኸፍትን ዘተባብዕን ብምዃኑ ብቐፃልነት ምስራሕ ከምዘድሊ ሓቢሮም።

ዝሳለጥ ሃገር ለኸ ስምፖዜምን ኤግዝብሽንን ትግራይ ካብ ምልላይን ምሻጥን ምህርቲ ብዝበለፀ ሰፊሕ ተሞክሮ ንለዋወጡሉ ክኾውን ይግባእ ኢሎም።

እቲ ዝሳለጥ ሃገር ለኸ ስምፖዜምን ኤግዝብሽንን ቢሮ ቴክኒክ ሞያን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ትግራይ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ዝተዳለወ ካብ 18 ታሕሳስ ክሳብ 27 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ዝፀንሕ ኾይኑ ሎሚ 18 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ድማ ኣብቲ ዘርፊ ዝራኣዩ ቀንዲ ፀገማት ብቐፃልነት ንምፍታሕ ዝሕግዙ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ብምቕራብ፣ሚኒስትሪ ሚኒስተር ዲኤታ ቴክኒክ ሞያን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ኢፌደሪ ኣይተ ሰለሙን ሰካ፣ ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገብረ ትንሳኤ፣ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ ኻልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ኣመራርሓ ቲቪቲ ኮሌጃት ፣ ባንክታት፣ ማይክሮ ፋይናንስ፣ ዘይመንግስታዊ ትካላት ልምዓት ፣ ኣመራርሓ ዩኒቨርስትን ተመራመርትን ኣብ ዝተረኸብሉ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ዝተጠቐሰ ዕለት ድሕሪ ስዓት ድማ ስነ ስርዓት ዕላዊ ምኽፋት እቲ ሃገር ለኸ ስምፖዜምን ኤግዝብሽንን ከምዝሳለጥ ካብ ዝወፀ መርሃ ግብሪ ንምርዳእ ተኻኢሉ::

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *