ገበን ፆታዊ ዓመፅ ዝፈፀሙ 25 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎም

ብገበን ፆታዊ ዓመፅ ጥፍኣተኛታት ዝኾኑ ተኸሰስቲ 25 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎም-ማእኸላይ ቤትፍርዲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ

ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ምድብ መጋበኣያ ከተማ ሸራሮ ሓባርን ተሓባባርን ብምዃን ፆታዊ ዓመፅ ዝፈፀሙ ተኸሰስቲ ነፍሰወከፎም ብ25 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ክቕፅዑ ፈሪዱ።

ትእዛዙ ህሩይ, ክብረይ ኣብርሃለይን ዜናዊ ሓጎስን ዝተብሃሉ ተኸሰስቲ ናብ ገዛ ውልቀ ተበዳሊት ወ/ሮ ማሾ ሓጎስ ብረትን ካራን ሒዞም ብምእታው ፤ ንበዓል ገዝኣ ኣፈራሪሖም ካብ መንበሪ ገዝኡ ክወፅእ ብምግባር ካልኣይ ተኸሳሲ ክብረይ ኣብርሃለይ ኣገዲዱ ክደፍራ ከምዝገበሩ መዝገብ ክሲ ዓቃቢ ሕጊ የመልክት።

ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ምድብ መጋባእያ ከተማ ሸራሮ ተኸሰስቲ ካብ ዓቃቢ ሕጊ እቲ ዞባ ብዝቐረበሎም ክሲ ፆታዊ ዓመፅ ጥፍኣተኛታት ኮይኖም ስለዝረኸቦም ፤ 15 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ ነፍሲወከፎም ብ25 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ክቕፅዑ ፈሪዱ።

ገበን ንምፍፃም ዝተጠቐሙሉ ካራን ብረትን ንኤግዚቪት ናብ መንግስቲ ኣታዊ ክኸውን ወሲኑ።

ነፍሲወከፎም ብ25 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *